“ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ዕብየት ከተርኢ፣ ዞባውን ኣህጉራውን ምሕዝነታዊ ግጥማት ከተካይድ የድልያ።” ኣሰልጣኒኣ ኣለምሰገድ

Radio Erena: 08 September 2020

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ምስ ካልኦት ሃገራውያን ጋንታታት ምሕዝነታዊ ግጥማት ንኸተካይድ ድሌቱ ምዃኑ ኣሰልጣኒኣ ኣለምሰገድ ኤፍሬም ሓቢሩ።

ንሱ ንመርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ “ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ካብ ዞባዊን ኣህጉራዊን ውድድራት ቦኺራ ጸኒሓ፡ ዓሚ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሴካፋ ንፈለማ እዋን ዳግማይ ብምስታፍ፡ ካልኣይ ደረጃሒዛ ምውጻኣ፡ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ይዓቢ ከም ዘሎ ዝምስክር እዩ።” ኢሉ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለምን ውድድርምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ፡ ማለት ሴካፋን ብርክት ዝበለ ጸወታታት ከም ዘካየደት ዝጠቐሰ ኣሰልጣኒ ኣለምሰገድ “ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዞባዊ ውድድር ሴካፋ ንኡድ ውጽኢት ምምዝጋቦም ብምዝኽኻር ብሉጻት ተጻወትቲ፡ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ልዑል ብቕዓት ዘለዎ ግጥማት ብዝያዳ ከምዝዕንብቡ ኣስሚርሉ።

ኣለምሰገድ ብተወሳኺ፣ “ሓንቲ ሓያል ጋንታ ንምህናጽ፡ ዝተፈላለየ ወግዓዊ ውድድርን ጸወታታት ንምክያድ የድሊ።” ድሕሪ ምባሉ፣ ካብ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተበጽሐ ምዕራፍ፡ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብራኽ ዘለዎ ባህጊ ገሊጹ።

ተጻዋታይ ጋንታ ኣዱሊስን ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ዝነበረ ኣቶ ኣለምሰገድ ኣብ መወዳእታ፣ ብምኽንያት ክስተት ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ ንጥፈታት ስፖርት ብምድስካሉ፡ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብኣሉታ ከም እተጸልወ ድሕሪ ምሕባር፣ ተጻወትቱ ኣህጉራዊ ግጥማት ንምስልሳል ምእንታን ክኽእሉ፡ ሴካፋ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ውድድር ክሰርዕ ተላብዩ።

ብመንእሰያት ዝቖመት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዋንጫ ሲንየር ሴካፋ፡ ክሳብ ፍጻመ በጺሓ፡ ብኣኣንጋዲት ሃገር ተሳዒራ ፡ ካልኣይ ደረጃ ክትሕዝ እኳ እንተበቕዐት፣ ሸውዓተ ተጻወታ ዑቕባ ንምሕታት ምትራፎም ግና ካልእ ምስሊ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ዘንጸባርቕ ፍጻሜ’ዩ ኔሩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0