ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን፣ ዘለውዎ ኩነታት ዝገልጽ ኣሳእል ብማሕበራዊ ሜድያ ከይዝርግሑ መንግስቲ ኢትዮጵያ የፈራርሖም ምህላዉ ተቓሊሑ

Radio Erena: 08 September 2020

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ብሕማቕ ተዳጕኖም ዘለዉ ዜጋታቱ፣ ንኩነታቶም ዝምልከት ብማሕበራዊ ሜድያታት ዝዝርግሕዎ ዘለዉ ኣሳእል ደው ከብልዎ የፈራርሖም ከምዘሎ ሓደ ካብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ብሪጣንያ ዝኾነ ቴሌግራፍ ኣቃሎዑ።

እቲ ማዕከን ዜና፣ ንዘለዎ ኩነታት ብማሕበራዊ ሜድያ ዝዝዘርሑ እሱራት፣ ከቢድ ሕጋዊ ሳዕቤን ከምዝጽበዮም ዘፈራርሕ፣ ኣብ ጅዳ ዝርከብ ቆንስል ኢትዮጵያ ዝኸተመሉ ደብዳቤ ከምዝረኸበ’ዩ ጠቒሱ።

በዚ ድማ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ክረኽቦ ንዝኽእል ሓገዝ ክብል መሰል ዜጋታቱ ክርገጽ፣ እናረኣየ ከምዘይርኣየ ከጽቅጥን፣ ኣፍ እቶም ዝተበደሉ ክዓብስን ይፍትን ምህላዉ ተወቒሱ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን፣ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ተኣሲሮም ይሳቐዩ ከምዘለው ዘርኢ ኣሳእል ብማሕበራዊ ሜድያ ክውሕዝ’ዩ ጸኒሑ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0