ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ግጥማት ሴካፋ ክትሳተፍ’ያ

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝካየድ ግጥማት ሴካፋ ክትሳተፍ ምዃና እቲ ዞባዊ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣረጋጊጹ። እቲ ካብ 24 ሕዳር ክሳብ 8 ታሕሳስ ዝካየድ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከል ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ እትርከበን ሓደ ሓደ ሃገራት ምስታፈን ኣጠራጣሪ ኮይኑ ስለዝጸንሐ፣ ኣብዚ ዞባ ዘይርከባ ከም ካሜሮንን ማላውን ዝኣመሰላ ሃገራት ከም ዕዱማት ብምስታፍ ንቦታ እተን ዘይሳተፋ ንምትካእ ምውጣኑ ክሕብር ጸኒሑ’ዩ። ብህድማ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኣብ መዋጥር ዝርከብ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ዓሚ ብሰንኪ ናይ ባጀት ሕጽረት ጋንታ ክልእኽ ብዘይምኽኣሉ፣ እብ ክንዲ ኤርትራ ካልእ ዕድምቲ ጋንታ ከምእተሰለፈት ኣይርሳዕን። ኣብዚ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ኡጋንዳ ዝካየድ ግጥም’ውን ኤርትራ ኣይትሳተፍን’ያ ዝብል ሓበሬታ ዓብሊሉ እኳ እንተጸንሐ፣ ሴካፋ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ሓበሬታ ግና ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ክትሳተፍ ምዃና ኣረጋጊጹ። ኣብዚ ዞባዊ ግጥም ክሳተፋ ምዃነን ዘረጋገጻ ሃገራት ኤርትራ ሓዊስካ 11 በጺሐን ኣለዋ። ኣብዚ ዞባዊ ግጥም ከምዘይትሳተፍ ብወግዒ ዘፍለጠት እንኮ ሃገር ጅቡቲ ጥራይ’ያ። ዕድምቲ ሃገራዊት ጋንታ ማላዊ ድማ ንጅቡቲ ተኪኣ ክትሳተፍ ምዃና ተፈሊጡ። ጅቡቲ ኣብዚ ግጥም እዚ ዘይትሳተፈሉ ዘላ ምኽንያት፣ ኣብ ፈደረሽን እታ ሃገር ኣጋጢሙ ብዘሎ ናይ ምምሕዳር ጸገም ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ። ግጥማት ሴካፋ፣ ብቕዓት ኩዕሶ እግሪ ኣብ ምብራቕን ማእከልን ኣፍሪቃ ንምዕባይ ዝዓለም ዞባዊ ማሕበር ኮይኑ፣ ኣብዚ ኣብ ኡጋንዳ ዝካየድ ግጥማት ንመጓዓዝያ፣ መግብን መደቐስን ከምኡ’ውን ንብሉጻት ሰለስተ ጋንታታት ዝወሃብ ሽልማት ብጠቕላላ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ባጃት ተመዊልዎ ኣሎ። ኣብ ታንዛንያን ኬንያን ኣብ ዝተኻየደ ግጥማት ጎባልል ክለባት ኣፍሪቃን ሴካፍን፣ ብድምር ልዕሊ 24 ብሉጻት ተወጻቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ዑቕባ ምሕታቶም ኣይርሳዕን። ኣብ ካልእ ናይ ስፖርት ዜና፣ ኣብ ቡርኪናፋሶ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮና ቅድድም ብሽክለታ ብዓቢ ጸብለለታ ዝተዓወተት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ፣ ኣብ ማዕከናን ዜና ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኣልጀርያን ካልኦት ሃገራትን ሰፊሕ ሸፈነ ዜና ስፖርት ሒዛ ምህላዋ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና ሓቢሮም። ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ሎሚ ንሳልሳይ ዓመታ’ያ ኣከታቲላ ብጸብለልታ ሻምፕዮና ኣፍሪቃ ትኸውን ዘላ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0