ኣብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያውያን ወትሃደራት፣ ምስ ተቓወምቲ ክጽንበሩ ይግደዱ

በብእዋኑ ናብ ኤርትራ ኢዶም እንሃቡ ዑቕባ ዝሓተቱ ኢትዮጵያውያን ወትሃደራት፣ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ክጽንበሩ እንተዘይኮይኖም ካልእ ኣማራጺታት ከምዘይወሃቦም ሰራሕተኛ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት-UNHCR ነበር ገሊጻ። እታ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝሰርሐት ስማ ክንዕቕበላ ዝሓተተት ወጻእተኛ፣ ኣብቲ ንሳ ዝነበረትሉ እዋን፣ ኢዶም ሂቦም ናብ ኤርትራ ዝኣትዉ ስደተኛታት ኣብ ኣፍዓበት ከምዝእከቡ ብምጥቓስ፣ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ክጽንበሩ ምድፍፋእ ከምዝግበረሎም ብምጥቓስ፣ ነዚ ዘይተቐበለ ድማ ብዘይዝኾነ ካልእ ዕድላት ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ንዓመታት ከምዝጸንሕ ኣረዲኣ። UNHCR ንኹሎም እቶም ነቲ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ምጽንባር ዘይደለዩ እሞ ሰለማዊ ናብራ ክመርሑን ክጣየሱን ዝደልዩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓደ እዋን ፍታሕ ከምጽእ ከምዘይክእል ርዱእ እኳ እንተኾነ፣ ኩነታቶም ቀስ ብቀስ እናተኸታተልካ ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝጣየስሉ መስርሕ ብቀጻሊ ከይስርሓሉ መንግስቲ ኤርትራ ዓቢ ዕንቅፋት ይፈጥርሎም ከምዝነበረ ኣዘኻኺራ። እዚ ኮይኑ ግና ብሓገዝ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝተጣየሱ ውሑዳት የለውን ማለት ከምዘይኮነ’ውን ኣገንዚባ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራውያን ትካላት ብዘካይዶ ጽኑዕ ምቁጽጻር፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቤት ጽሕፈት UNHCR ብዓቕሚ ሰቡ ኮነ ንጥፈታቱ ድሩት ኮይኑ ኣብ ርእሲ ምህላዉ፣ ብፍላይ ናብቲ ኢትዮጵያውያን ተዓቝቦምሉ ዝርከቡ ከባቢ ኣፍዓበት ንምንቅስቓስ ካብ መግስቲ ኤርትራ ቀጻሊ ፍቓድ ከምዘድልን፣ መንግስቲ’ውን ሳሕቲ እንተዘይኮይኑ በብዝተፈላለየ ምኽንያታት ፍቓድ ከምዘይህቦምን’ውን ጠቒሳ። ናብቲ ኣብ ከባቢ ባጽዕ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ተዓቝቦም ዘለዉ ኣማኢት ሶማላውያን ንምብጻሕ’ውን ንኣባላት UNHCR ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ጥራይ ፍቓድ ከምዝወሃቦም ሓቢራ። ኣብ ኣስመራ ከባቢ ባር ቶሪኖ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ተሓጺርካ፣ ብውሑድ ዓቕሚ ሰብን ውሱን ንጥፈታትን ኩነታት እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ይኹኑ ሶማላውያን ስደተኛታት ብዝርዝር ንምግምጋሙ’ውን ኣዝዩ ከምዘጸግም ኣብ መወዳእታ ኣመልኪታ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0