ፕ. ኣልበሽር ተቓወምቱ ናብ ሃገራዊ ዋዕላ ክሳተፉ ዳግማይ ጻውዒት ኣቕሪቡ

ፕ. ኣልበሽር ተቓወምቱ ናብ ሃገራዊ ዋዕላ ክሳተፉ ዳግማይ ጻውዒት ኣቕሪቡ

Radio Erena: 29 July 2018

 beshir3ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኩሎም ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ክሳተፉ ዳግማይ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ዑመር ኣልበሽር ምስ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዓብዱልራሕማን ሳዲቕ ኣልማህዲ ብሓሙስ 26 ሓምለ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ መስርሕ ዕርቂን ሰላምን ሱዳን ብዓወት ክዛዘም፣ ተሳትፎ ኩሎም ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ 2014 ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ዘተ ሰላምን ዕርቅን ንምፍጻም ሃገራዊ ዋዕላ ከምዝኣወጀ ይዝከር።

ሓያሎ ተቓወምቲ ውድባት ሱዳን ኣብቲ ዘተ ክሳተፉ ጀሚሮም’ኳ እንተነበሩ፣ እቲ ፕረዚደንት ቅንዕና ዝጎዶሎ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ምእንቲ ሰላም ክብል ዝኾነ ሕድገታት ክገብር ፍቓደኛ ኣይኮነን ብምባል ካብቲ ሃገራዊ ዋዕላ ምስሓቦም ይግለጽ።

መራሒ ሰልፊ ኡማ፣ ሳዲቕ ኣልማህዲ ብዓርቢ ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ስርዓት ኣልበሽር ከምዘብቀዐ ዝገልጹ ሓያሎ ምልክታት ብጋህዲ ይረኣዩ ስለዘለዉ፣ መዝነቱ ብሰላም ብምርካብ ኣብ ሱዳን ሓድሽ መንግስቲ ክትከል ጸዊዑ። ምዕራባውያን ሃገራት’ውን ነዚ ንምትግባር ሓገዘን ከበርክታ ጸዊዑ።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0