ፕረዚደንት በሽር፣ ናብ ሶርያ ይበጽሕ

ፕረዚደንት በሽር፣ ናብ ሶርያ ይበጽሕ

Radio Erena: 17 December 2018

Bashir in Syria

ፕረዚደንት ሱዳን፣ ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ ሶርያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

ፕረዚደንት በሽር፣ ብ16 ታሕሳስ ናብ ከተማ ደማስቆ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ፕረዚደንት ባሻር ኣልኣሳድ ድሙቕ ኣቕቐባብላ ጌርሉ።

ዕላማ ዑደት ኣልበሽር፣ ብዝርዝር እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ነቲ ስዑዲ ዓረብ ብእትርከበን ሓያሎ ሃገራት ዓረብ ተነጺጉ ዘሎ ፕረዚደንት ባሻር ዘለዎ ፖለቲካዊ ደገፍ ንምግላጽ ዝዓለመ”ዩ ይብሃል።

ምስ ስዑዲ ዓረብን ቱርኪን ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎ ፕርዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ናብ ሶርያ ምብጻሑ፣ ሓያሎ ማዕከናት ዜና እዘን ሃገር ይነቐፍኦ ኣለዋ።

ብሩስያ ዝድገፍ ፕረዚደንት ባሻር ኣልኣሳድ፣ ኣመሪካ እትርከበን ሃገራት ምዕራብን ንምእላዉ ይሰርሓ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር፣ ነቲ ኣብ ሶርያ ዝተኸስተ ህዝባዊ ናዕቢ ተጎልቢቡ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ዝተላዕለ ዳዒሽ፣ ካልእ ስግኣት ስለዝፈጠረ፣ ንፕረዚደንት ባሽር ኣልኣሳድ ንምእላው ዝነበረ ቀዳማይ ኣጀንዳ ከምዝተኣጓጎ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ የረድኡ።

ብጉዳይ ቀጠር፣ የመንን ሶርያን ኣብ መንጎ ሃገራት ዓረብ ተኸሲቱ ዘሎ ምክፍፋል፣ ነታ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ትሕቲ እገዳ ኣመሪካ ዝጸንሐት ሱዳን፣ ሓድሽ ስልታውን ስትራቴጅያዊን ዝምድናታት ከተስፍሕ ሓጊዙዋ ከምዘሎ እቶም ተንተንቲ ብተወሳኺይ ይጠቕሱ።

ኵናት ሶርያ ኣብ 2011 ድሕሪ ምውልዑ፣ ኣብ ግብጺ ቤት ጽሕፈቱ፣ 22 ኣባላት ዝሓቖፈ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ካብ ኣባልነት ከምዝሰጎጓ ኣይርሳዕን።

ድሕሪ’ዚ እዋን’ዚ፣ ፕረዚደንት በሽር፣ ናብታ ብኵናት እትሕመስ ዘላ ሶርያ ዝበጽሕ ዘሎ ናይ መጀመርያ ካብ መራሕቲ ኣባላት ማሕበር ሃገራት ዓረብ’ዩ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0