ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ማያርዲት፣ ካርቱም ኣትዩ

ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ማያርዲት፣ ካርቱም ኣትዩ

Radio Erena: 23 September 2018

 machar in kharthum     ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት፣ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ዑደት ንምግባር ካርቱም ኣትዩ።

     ሳልቫ ኪር ኣብ ካርቱም ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፣ ምስ ፕረዚደንት ኣልበሽር ተራኺቡ፣ ብዛዕባ ሓድሽ ስምምዕ ሰላምን ተግባራውነቱን ክዘራረብ ምዃኑ ተገሊጹ።

 

     ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ንኽፍረም ፕረዚደንት ኣልበሽር ዝተጻወቶ ተራ ልዑል ምዃኑ ዝገለጸ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር፣ ሳልቫ ኪር ንኣልበሽር ምስጋንኡ ከቕርብ’ዩ ኢሉ።

     እቲ ፕረዚደንት ኣብ ሱዳን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፣ ምስ ተቓወምቱ ክራኸብ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ። ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ከምዘረጋግጾ፣ ሳልቫ ኪር ምስቲ ኣብ ካርቱም ሰፊሩ ዘሎ ሪክ ማቻር፣ ላም ኣኮል፣ ደንግ ኣሎርን ካልኦት ሓለፍቲ ተቓወምቲ ሓይልታት ክዘራረብ’ዩ።

     ሪክ ማቻር ኣብቲ ክቐውም ተወጢኑ ዘሎ ግዚያዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ከም ምኽትል ፕረዚደንት ኮይኑ ክሰርሕ ድሮ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0