ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ ሕቡራት ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን ይበጽሕ

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ ሕቡራት ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን ይበጽሕ

Radio Erena: 19 July 2018

Suda Saud

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ ሕቡራት ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም።

ብሰሉስ 18 ሓምለ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዑደቱ ዝዛዘመ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ናይ ሳልስቲ ምብጻሕ ንምፍጻም ናብ ስዑዲ ዓረብ’ዩ ኣምሪሑ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ምስ መራሕቲ ሕቡራት ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ዘካየዶ ዝተፈላለየ ርክባት፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ወሽመጥ ሃገራት ዓረብ ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሃብን ዝህልዎ ጽልዋን ተዘራሪቡ።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረቶ እገዳ ንኽልዓል፣ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ዲፕሎማስያዊ ተራ ክጻወት ከምዝሓተተ’ውን ተፈሊጡ።

ምስ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራትን ቀጠርን ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ‘ዘን ሃገራት ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓብ ብዲፕሎማስን ቅርቂን ክዛዘም’ያ ትድግፍ።

ሱዳን፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ናይ ዝኾነ ወገን ጸግዒ እኳ እንተዘይሓዘት፣ ስዑዲ ዓረብ ግና ሓዲኡ ከተፍልጥ ጸቕጢ ትገብረላ ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0