ድሕሪ ክልተ ሰሙን ክትግበር ምዃኑ ተሓቢሩ ዘሎ ሓድሽ መጠን ክፍሊት ክራይ መንበሪ ኣባይቲ፣ ኣብ መንጎ ኣካረይትን ተኻረይትን ምፍሕፋሕ ከየጋድድ ይስጋእ

ድሕሪ ክልተ ሰሙን ክትግበር ምዃኑ ተሓቢሩ ዘሎ ሓድሽ መጠን ክፍሊት ክራይ መንበሪ ኣባይቲ፣ ኣብ መንጎ ኣካረይትን ተኻረይትን ምፍሕፋሕ ከየጋድድ ይስጋእ

Radio Erena: 19 July 2018

Asmara 2

ካብ 1 ነሓሰ ኣትሒዙ ክትግበር ምዃኑ ተሓቢሩ ዘሎ ሓድሽ መጠን ክፍሊት ክራይ ናይ ብሕቲ መንበሪ ኣባይቲ፣ ኣብ መንጎ ኣካረይትን ተኻረይትን ዝጸንሐ ምፍሕፋሕ ብዝበኣሰ ከየጋድዶ ተሰጊኡ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘውጽኦል ሓድሽ መምርሒ፣ መጠን ክፍሊት ክራይ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ብዓቐን ስፍሓትን ዝርከበሉ ከባቢታትን ዝምርኮስ ኮይኑ፣ 20 ትርብዒት ሜትሮ ንእትግመት ተራ መንበሪ ገዛ እቲ ዝኸበረ መጠን ክራይ 600 ናቕፋ’ዩ።

ተኻረይቲ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ተሰሊዑሎም ዘሎ መጠን ክፍሊት ክራይ መንበሪ ኣባይቲ፣ ከም ካንሸሎ ንዝኣመሰለ ብሓባር ዝጥቀምሉ ክፉት መሬት ፣ ንሓደ ትርብዒት ሜትሮ ብሕሳብ 50 ሳንቲም ክኸፍሉ’ዩ ተሰሪዕሎም ዘሎ።

ይኹን’ምበር እቲ መንግስቲ ቅድሚ ሕጂ ንዞባ ማእከል ጥራይ ዝምልከት ዘውጽኦ ተመሳሳሊ መምርሒ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዘይክኣለን በንጻሩ ንኣካረይትን ተኻረይትን ከምዘናቖተ ኣይርሳዕን።

እዚ ድሕሪ ክልተ ቅነ ክትግበር ምዃኑ ኣዋጅ ወጺእሉ ዘሎ ሓድሽ መምርሒ’ውን፣ መንግስቲ ብግቡእ ከተግብሮን ክከታተሎን ስለዘይኮነ፣ ኣብ መንጎ ተኻረይትን ኣካረይትን ዝበኣሰ ምፍሕፋሕ ከስዕብ’ዩ ዝብል ስግኣታት’ዩ ዘሎ።

መብዛሕትኡ ‘ቲ ኣብ ከተማታት ዝነብር ህዝቢ፣ ብውሕዱ ክልተ ዕጽፊ ካብ ኣታዊታቱ ንኽራይ ገዛ ከምዝኸፍሎ ይፍለጥ።

በዚ ሓድሽ ኣዋጅ 600 ናቕፋ ተገሚታ ዘላ መንበሪ ቤት፣ ክሳብ 3 ሽሕ ናቕፋ’ያ ትካረ ዘላ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0