ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ጽባቐ ኡጋንዳ ንምድናቕ ኣብ ትዊተር ዝለኣኾ ጽሑፍ፣ ስእሊ ናይ ኒው-ዚላንድ ጎቦታት ምጥቃሙ ተነቒፉ

Radio Erena: 21 December 2022

ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሪ ሙሴቬኒ፣ ምስ ክሌማን ዕቃበ ኣከካብን ኣተሓሒዙ፣ ‘ርዎንዜሪ’ ንዝተባህለ እምባታት ከም ኣብነት ንምድናቕ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፣ ስእሊ ኣብ ኒው-ዚላንድ ናይ ዝርከብ ብኩምራ በረድ ዝተሸፈነ ጎቦታት ምጥቃሙ ተነቐፉ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብቲ ብ15 ታሕሳስ ዝለጠፎ ጽሑፍ፣ ‘ኣብ ናይ ብሪጣንያ ዑደት ይኹን፣ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተጋብአ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣመሪካን፣ ደጋጊመ ዘልዓልክዎ ጽባቐ ኡጋንዳ፣ ጎቦታት ርዎንዜሪን ዘለዎ ምቹእ ናይ ብራኸ ክሌማን ምዃኑ፣ ስለዚ’ዩ ኢኳቶር ብቐዋምነት ብበረድ ዝሽፈን’ ክብል ኣስሚርሉ።

እንተኾነ ዝተጠቕመሉ ስእሊ፣ ናይ ኡጋንዳ ዘይኮነ ብበረድ ዝተሸፈነ ጎቦታት ኒው-ዚላንድ’ዩ።

እምባታት ‘ርዎንዜሪ’ ናይ ገዛእ ርእሱ ጽባቐ ዘለዎን፣ ሓደ ሓደ ግዜ’ውን ብበረድ ዝሽፈንን እኳ እንተኾነ፣ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ናይ ትዊተር ሕሳቡ፣ ጽባቐ ሃገረይ ኢሉ ጽባቐ ካልእ ሃገር ክልጥፍ ዘሕንኽ ምዃኑ’ዮም ሓያሎ ወሃብቲ ርእይቶ ነቒፎም።

ተኸታተልቲ ትዊተር፣ ተቐባቢሎም ከላግጽሉ ድሕሪ ምጅማሮም፣ እቲ ዝተዘርግሐ ስእሊ ብጌጋ ምዃኑ መንግስቲ ኡጋንዳ ይቕሬታ ብምሕታት ነቲ መልእኽቲ ኣልጊስዎ።

ነቲ ስእሊ ዝለጠፈ እቲ ፕረዚደንት ባዕሉ ድዩ ወይስ ናይ ትዊተር ሕሳቡ ዘካይዱ ክኢላታት ማሕበራዊ ሜድያ ግና ኣይተነጸረን።

ንኡጋንዳ ን36 ዓመታት ዝመርሐ ወዲ 78 ዓመት ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ነቲ ስእሊ ካብ ጉግል ዳህሲሱ ዝረኸቦን ወሃብቲ ናይ ጉዕዞ ኣገልግሎታት፣ በጻሕቲ ንምስሓብ፣ ‘እዚ ኡጋንዳ እምባታት ርዎንዜሪ’ ዩ ኢሎም ካብ ዝለጠፍዎ ግጉይ ስእልታት መርበብ ወሲድዎ ክኸውን ከምዝኽእል ክኢላታት ማሕበራዊ ሜድያ ግምታቶም ሂቦም።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0