ፊፋ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ደረጃ ብቕዓት፣ ዋንጫ ዓለም ዝዓተረት ጀርመን ሓደ ደረጃ ንቕድሚት፣ ኤርትራ ድማ ሓደ ደረጃ ንድሕሪት

ፊፋ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ደረጃ ብቕዓት፣ ዋንጫ ዓለም ዝዓተረት ጀርመን ሓደ ደረጃ ንቕድሚት፣ ኤርትራ ድማ ሓደ ደረጃ ንድሕሪት

Radio Erena: 18 July, 2014

Eri Ger

ፊፋ ድሕሪ ምዝዛም ዋንጫ ዓለም ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ደረጃ፣ ዋንጫ ዝዓተረት ጀርመን ሓደ ደረጃ ንቕድሚት ብምሕኳር ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ፣ ኤርትራ ድማ ካብ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሓደ ደረጃ ንታሕቲ ወሪዳ መበል 202 ተሰሪዓ።

ፊፋ ወርሓዊ ዘውጽኦ ደረጃታት ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ዓለም፡ ትማሊ ሓሙስ 17 ሕምለ 2014 ኣብ ዝዘርገሐሉ፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝደመቓ ሃገራት፡ ንላዕለዋይ ደረጃ ብሒተንኦ።

ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም 2014፡ ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ካብ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ መስርዕ፡ ሓደ ደረጃ ደይባ ቀዳማይ ደረጃ ክትሕዝ ከላ፡ ሃገራውያን ጋንታታት ኣርጀንቲናን ነዘርላንድስን ከኣ፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝሓዝኦ ደረጃ ብምድጋም፡ ካልአይትን ሳልሰይትን ኮይነን። ጀርመን ነዚ ደረጃ ትሕዝ ዘላ ድሕሪ 20 ዓመት ሕጂ ንፋልማይ ግዚኣ እያ።

 

ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ዝነበረትን ንኩዕሶ እግሪ ዓለምና ንዓመታት ዝበሓተት ስፐይን ናብ ሻሙናይ ደረጃ ዝወረደት ክትከውን ከላ፡ ኮሎምብያ፡ ቤልጅዩም፡ ኡራጋይ፡ ብራዚል፡ ስዊዘርላንድን ፈረንሳን ከኣ፡ ካብ ራብዓይ ክሳብ ዓስራይ ደረጃ ተሰሪዐን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓንቲ ደረጃ ንድሕሪት ተመሊሳ ዝነበረት ኤርትራ፡ ሕጂ’ውን ሓደ ተርታ ንድሕሪት ተመሊሳ፡ 7 ሃገራት ጥራይ ቀዲማ፡ መበል 202 ኮይና ኣላ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣህጉራዊ ግጥማት ስለዘይተካይድን፡ ነይራ ነይራ ኣብ እተካይደሉ እዋን’ውን እተመዝግቦ ዓወት ስለዘየለን መመሊሳ እያ ንታሕቲ ክትኑቐት እትረአ።

ኣብ ዋንጫ ዓለም ብሉጽ ብቕዓት ዘርኣየትን፡ ንተዓዋቲት ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ገቲራ ሒዛታ ዝወዓለትን ኣልጀርያ፡ መበል 24 ደረጃ ብምዃን፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝለዓለ መስርዕ ሒዛ ኣላ።
=======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0