‘ምቁራጽ ኤሌክትሪክ ገኒንሉ ዘሎ ምኽንያት፣ መንግስቲ ምሉእ ናይ ጸዓት ዓቕሙ ናብ ዕደና የውዕሎ ስለዘሎ’ዩ’ ካድራት ህግደፍ

‘ምቁራጽ ኤሌክትሪክ ገኒንሉ ዘሎ ምኽንያት፣ መንግስቲ ምሉእ ናይ ጸዓት ዓቕሙ ናብ ዕደና የውዕሎ ስለዘሎ’ዩ’ ካድራት ህግደፍ

Radio Erena: 18 July, 2014

Asmara pub sem

ኣብ ኤርትራ ገኒኑ ዘሎ ጸገም ምቑራጽ ኤሌክትሪክ፣ መንግስቲ ምልእ ናይ ጸዓት ዓቕሙ ናብ ዕደና የውዕሎ ብምህላዉ’ዩ ክብሉ ካድራት ህግደፍ ኣብ ሰሚናራት ይገልጹ ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

እቲ ብ9ን 10 ግንቦት ብሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ብርጋዴር ጀነራል ኣብራሃ ካሳን፣ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወልደሚካኤል ኣብርሃን ንላዕለዎት ማእከሎትን ሓለፍቲ ሚኒስትሪታትን ኣመሓደርትን ብዝሃብዎ ሰሚናር ዝጀመረ ጽዑቕ ጎስጓስ፣ ናብ ነበርቲ ንኡስ ዞባን ኣባልት ሰራዊትን ወሪድሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ህዝቢ ኣብቲ መዓልታዊ መነባብርኡ ኣጸልሚትዎ ዘሎ ኩነታት ኤሌክትሪክን ካልእ ናይ መነባብሮ ጸገማትን ብዝምልከት ሕቶታት ብጻዕቒ የቕርብ ከምዘሎ’ውን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

 

እቶም ነቲ ሰሚናር ከቕርቡ ብህግደፍ ዝተሓርዩ ካድራትን ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታን፣ ናብ ህዝቢ ከቕርብዎ ዝተዋህቦም ኣጀንዳ፣ ‘ጠንቂ ኩሉ ጸገማት ኤርትራ ብፍላይ ድማ እቲ ምስ ዘይተፈትሐ ናይ ዶብ ጉዳይን ንዕኡ ተኸቲሉ ዝመጽእ ዘሎ ሳዕቤናትን፣ ብዓቢኡ ድማ ሃንዳሲት እገዳ’ ኣመሪካ’ያ ኣብ ዝብል ዘተኮረ እኳ እንተኾነ፣ ካብ ህዝቢ ዝቀረበ ዝበዝሐ ሕቶታት ግና፣ ከም ጉዳይ ኤሌክትሪክ፣ ማይን ካልእ ንመዓልታዊ መነባብሩኡ ሓኒቑ ሒዝዎ ዘሎ ጸገማትን ዘድሃበ’ዩ ኔሩ።

ህዝቢ ብቀጻሊ ዝሓተሉ ዘሎ መላእ ሃገር ኣጸልሚቱ ዘሎ ጉዳይ ኤሌክትሪክ ድማ እቶም ካድራት ኣብ ዝህብዎ ምላሽ፣ ጠንቂ እዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ተደጋጋሚ ምቑራጽ ኤሌክትሪክ መንግስቲ ምልእ ናይ ጸዓት ዓቕሙ ናብ ዕደና የውዕሎ ስለዘሎ’ዩ፣ ካብ ዕደና ብዝርከብ ኣታዊ ድማ ናይ ኤሌክትሪክ ጸገም ኣብ ዝሓጸረ ክፍታሕ’ዩ ክብሉ ዘይጭቡጥ መልሲ ይህብሉ ከምዘለዉ ይግለጽ።

ብገዚፍ ወጻኢ ዝተሃንጸ ገደም ፋብሪካ ሰሜንቶ፣ ንሓደ ዓመት እኳ ፍርያቱ ከምቲ ዝድለ ከየቕረበ ዝተዳኸመሉ ምኽንያት ብሰንኪ ምቁራጽ ኤሌክትሪክ ኮይኑ፣ መንግስቲ ነዚ ፋብሪካን ዕደናን ዘተኮረ ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብ፣ ክፈትሖ ክጽዕር እንከሎ፣ በንጻሩ ድማ እቲ ንህዝቢ ብሰዓታት ዝወሃብ ዝነበረ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ዘይምህላው ደረጃ በጺሑ ኣሎ።

ከም ኔቭሰን ዝኣመሰለ ኣብ ቢሻ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ን24 ሰዓታት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ እናረኸበ፣ ፍርያቱ ወርቅን ነሓሰን ናብ ዕዳጋ ዓለም ኣብ ዝልእከሉ ዘሎ ግዜ፣ በብእዋኑ መኽሰባቱ ንወነንቲ ብርኪ ብንጹር ከመልክት እንከሎ፣ እቲ ህዝቢ ኣጸልሚቱ ምሉእ ዓቕሙ ናብቲ ካብ ዕደና ዝርከብ እቶት ዘቛምት ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ግና፣ ንህዝቢ ጸብጻብ ከቕርብስ ይትረፍ፣ ብዛዕባ’ቲ ህዝቢ ጸልሚትሉ ዘሎ ምኽንያት’ውን ብግሉጽ ኣይሓበረን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ንርእሰ ከተማ ኣስመራ ሓዊስካ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ኤርትራ፣ ካብ መዓልታት ክሳብ ሰሙናት ብተከታታሊ’ዩ ኤሌክትሪክ ዘቛርጽ ዘሎ።
=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0