‘ፈጸምቲ’ዚ ጭካነ ዝመልኦ ዘስካሕክሕ ኣቀታትላ ሰባት፣ መንነቶም ብዘየገድስ፣ ግቡእ ስጉምቲ ክውሰደሎም’ዩ’ መ.ኢትዮጵያ

Radio Erena: 12 March 2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ’ቶም ንሰላማውያን ሰባት ብሓዊ ኣቃጺሎም ዝቐተሉ ወተሃደራትን ዕጡቓት ምልሻታትን ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት መራኸቢታት እቲ መንግስቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ ዘስካሕክሕ ፍጻሜ፣ ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ዞባ መተከል፣ ኣይሲድ ኣብ ዝተባህለ ቀበሌ ከምዝተፈጸመ ኣመልኪቱ።

ወተሃደራዊ ልብሲ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኸድኑ ዝርከብዎም ዕጡቓት፣ ሰላማውያን ሰባት ብህይወቶም ብሓዊ እንዳቃጸሉ ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከቢድ ቁጠዐ ፈጢሩ ኣሎ።

እቲ ቤት ጽሕፈት መራኸቢታት ብቀዳም 12 መጋቢት 2022 ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ፣ ‘መንነት ኮነ መበቆል’ቶም ነዚ ዘስካሕክሕ ጭካነ ዝፈጸሙ ሰባት ብዘየገድስ፣ ግቡእ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰደሎም እዩ’ ኢሉ።

ኣብ ውግእ ሓድሕድ ተጸሚዳ ኣብ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ብኩሎም ወገናትን ዕጡቓት ምልሻታትን፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተኻየደ፣ ብኣህጉራውያን ትካላት ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ብፍላይ ኣብዚ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲን መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ዝተሓወሶ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፣ ኣብ ዘበናዊ ታሪኽ ዓለምና ንመጀመሪያ ግዜ ዝረአ ዘሎ ዘስካሕክሕ ግፍዕታትን ኣቀታትላን ከምዝተፈጸመ፣ ኣብቲ ዞባ ዝንቀሳቐሳ ኣህጉራውያን ትካላት ረዲኤት ይገልጻ።

እዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርገሐ፣ ሰላማውያን ሰባት ብሓዊ ኣቃጺልካ፣ ጭካነ ብዝመልኦ ኣገባብ ምቕታል፣ ቦታ ፍጻሜን ግዜን ንምልላይ፣ ብዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለምና ምጽራይ ይግበረሉ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0