ፈላሚ ርክብ መራሕቲ እስራኤልን ሱዳንን ኣብ ህዝበ ዓረብ ቁጠዐ ፈጢሩ

Radio Erena: 05 February 2020

እስራኤልን ሱዳንን፣ ንመጀመርያ እዋነን ወግዓዊ ዝምድና ክምስርታ ምዃነን ቀዳመይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ ገሊጹ።

ንሱ ነዚ ዝገለጸ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ብሰኑይ 2 ለካቲት ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዘካየዶ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ፣ ምስ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብዱፈታሕ ኣልቡርሃን ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ’ዩ።

ርክብ መራሕቲ እስራኤልን ሱዳንን፣ ኣብ ታሪኽ ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ።

ሓያሎ ህዝብታት ዓረብ ብፍላይ ድማ ፍልስጤማውያን፣ መራሒ ሱዳን ምስ እስራኤል ወግዓዊ ርክብ ምክያዱ፣ “ጥልመት” ክብሉ ገሊጾሞ።

ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ባይቲ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስር እስራኤል፣ ኣብ ኡጋንዳ ርክብ ከምዘካየደ መንግስቲ ሱዳን ብወግዒ እኳ እንተዘይገለጸ፣ መንግስቲ እስራኤል’ዩ ኣቃሊዕዎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣስማ መሓመድ ዓብደላን ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር ፈይሰል ሳልሕን፣ ብዛዕባ’ቲ ርክብ መራሕቲ እስራኤልን ሱዳን ኣፍልጦ ከምዘይነበሮምን ድሕሪ’ቲ ብማዕከናት ዜና ዓለም ምቅልሑ ከምዝሰምዑን ገሊጾም።

መራሒ ሱዳን፣ ምስ ኣባላት ካቢኒ ሚኒስተራት ይኹን ወከልቲ ህዝቢ ሱዳን ከይተመያየጠ ምስ እስራኤል ምርኻቡ፣ ኣብ ህዝቢ ሱዳን ቁጠዐ ኣለዓዒሉ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ይጠቕሱ።

እቲ ርክብ፣ ድሕሪ’ቲ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ፍልስጤትም እስራኤልን ዘሕለፎ ውሳኔ ምስ ምዃኑ ብዙሕ ትንታነታት ይወሃቦ ኣሎ።

ንዮርሳሌም ዘይትምቀል ኣካል እስራኤል ምዃና ዝገልጽ ምምሕዳር ትራምፕ፣ ኣብ ክልተ ዝተጎዝየት ሃገረ ፍልስጤም ክትምስረት ዝድግፍ ውሳኔ ምሕላፉ ይዝከር።

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ንምዕዋት ተስፋ ኣንቢሩ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፣ ቤንያሚን ናታንያሁ፣ ኣብ ናይ ኡጋንዳ ዑደቱ ብዘይካ’ቲ ምምስራት ዝምድና ምስ ሱዳን ኣብ ምስጓግ እቶም መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት ዝብል ነጥቢ’ውን ከምዝተመያየጠ ማዕከናት ዜና ኣመልኪተን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0