ግብጺ፣ ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ንምንዋሕ፣ ቅዋም ምቅይያር ክግበረሉ’ዩ

ግብጺ፣ ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ንምንዋሕ፣ ቅዋም ምቅይያር ክግበረሉ’ዩ

Radio Erena: 18 February 2019

ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ክሳብ 2034 ንምንዋሕ ተባሂሉ፣ ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ምቅይያር ቅዋም ክትግበር ከምዝክእል ተገሊጹ።

ቅዋም ግብጺ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር፣ ክልተ ግዜ ነናይ ሽዱሽተ ዓመት ብድምር 12 ዓመታት ጥራይ’ዩ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዝፈቕድ።

በዚ መሰረት ድማ፣ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብ 2022 ዘመነ መሪሕነቱ ኣብቂዑ፣ ስልጣኑ ብምርጫ ንዝመጽእ ካልእ ዜጋ እታ ሃገር ከረክብ ኣለዎ።

ይኹን’ምበር እቲ ፕረዚደንት፣ ካብ 2022 ዝሕሰብ፣ ንተወሳኺ 12 ዓመታት ኣብ ስልጣን ከጽንሖ ዘኽእል እማመ ብምቕራብ፣ ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ምቅይያር ክግበር’ዩ ዝደፋፍእ።

ፓርላማ ግብጺ፣ ብዛዕባ’ዚ ናይ ፕረዚደንት ግብጺ እማመ ኣመልኪቱ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ፣ ካብ 596 መናባር ባይቶ፣ ናይ 485 ናይ ደገፍ ድምጺ ረኺቡ ኣሎ።

እቲ ንምቅይያር ቅዋም ዝድግፍ እማመ እንተጸዲቑ ፣ ወዲ 64 ዓመት ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ክሳብ 78 ዓመት ዕድምኡ ኣብ ስልጣን ክቕጽል’ዩ። 

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0