ኤርትራ፣ ብፊፋ ዝምወል ግጥማት ዋንጫ ሴካፋ ትሕቲ 17 ዓመት ከተእንግድ’ያ

ኤርትራ፣ ብፊፋ ዝምወል ግጥማት ዋንጫ ሴካፋ ትሕቲ 17 ዓመት ከተእንግድ’ያ

Radio Erena: 18 February 2019

ኤርትራ፣ ናይ 2019 ግጥማት ዋንጫ ሴካፋ ትሕቲ 17 ዓመት ከተእንግድ ምዃና ዋና ጸሓፊ ናይቲ ዞባዊ ግጥም ኒኮላስ ሙሶንየ ኣፍሊጡ።

ንሱ ነዚ ዘፍለጠ፣ ምስ ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቶኖን ሓላፊ ካፍ ኣሕማድ ኣሕማድን፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሮ ርክብ’ዩ።

ዋና ጸሓፊ ሴካፋ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኡጋንዳ ናይ ዓበይቲ ግጥማት ሴካፋ ንምእንጋድ ክትዳሎ እንከላ፣ ርዋንዳ ድማ ሜዳታታ ንግጥማት ጎባልል ክለባት ሴካፋ ይጽበ ኣሎ።

ናይ ደንቅስትዮ ግጥማት ሴካ ድማ ኣብ ታንዛንያ ክካየድ’ዩ።

ማሕበር ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ 14 ግጥማት ክካየድ መዲቡ ኣሎ።

ኣብ ወርሒ ሰነ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ዝካየድ ናይ ትሕቲ 17 ዓመት ዝርከቦ ሓሙሽተ ካብዚ ናይ ሴካፋ ግጥማት ብፊፋ ክምወል ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0