ግብጺ፣ ትሽዓተ ሰባት ብሞት ቀጺዓ

ግብጺ፣ ትሽዓተ ሰባት ብሞት ቀጺዓ

Radio Erena: 22 February 2019

egypt

ግብጺ፣ ኣብ 2015 ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ብምቕታሎም ዝተኸሰሱ ትሽዓተ ሰባት ብሞት ተቐጺዖም።

ሒሻም በራካት ዝተባህለ ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ግብጺ፣ ኣብ ሰነ 2015፣ ብመኪና እናተጓዓዘ እንከሎ፣ መጥቃዕቲ ብምክያድ ንዕኡን ካልኦት ሰባትን ብምቕታል ዝተጠርጠሩ 67 ክሱሳት’ዮም ተታሒዞም።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ግብጺ፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘካየዶ መጋብኣያ፣ እቶም 10 ብሞት ክቕጽዑ፣ ዝተረፉ ድማ ካብ 10 ዓመት ክሳብ ናይ ሕልፈት ክእሰሩ’ዩ ብይን ሂቡ።

እቶም ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረኽቡ ሰባት፣ ነቲ ናይ ቤት ፍርዲ ብይን ብምቅዋም ይግባይ ሓቲቶም እኳ እንተጸንሑ፣ ትማሊ 21 ለካቲት ካብ ካይሮ ብዝተመሓላለፈ ሓበሬታ፣ እቶም ትሽዓተ ብሞት ከምዝተቐጽዑ ተገሊጹ።

ግብጺ፣ ኣብዘን ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ 15 ሰባት ብሞት ቀጺዓ ኣላ።

ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝቃወሙ ተጣበቕቲ፣ ነዚ ናይ መንግስቲ ግብጺ ውሳኔ ኮኒኖሞ ኣለዉ።

ብደረጃ ዓለም ዝበዝሑ ሰባት ብሞት ካብ ዝቐጽዓ ሃገራት፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ቻይናን ግብጺን ኣብ ቅድሚት’የን ዝስርዓ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0