ሑቲን መንግስቲ የመንን፣ ካብ ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ክስሕቡ ተሰማሚዖም

ሑቲን መንግስቲ የመንን፣ ካብ ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ክስሕቡ ተሰማሚዖም

Radio Erena: 21 February 2019

ሑቲን ብሃገራት ዓረብ ዝድገፍ ሰራዊት መንግስቲ የመንን፣ ካብ ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ክስሕቡ ኣብ ስምምዕ በጺሖም።

እቲ ስምምዕ ብ17 ለካቲት ከምዝበጽሑ ዘረጋገጸ ሕቡራት ሃገራት፣ ሰራዊት ክልትኦም ወገናት ካብታ ወደብ እንተስሒቦም፣ ህጹጽ ናይ መግቢን መድሃኒት ረዲኤት ንምእታው ተዳልዩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ወደብ ሖዴይዳ፣ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሕቡራት ሃገራት ክትጸንሕ፣ ሑቲን መንግስቲ የመንን ኣብ ምወዳእታ 2018 ኣብ ሽወደን ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ ተሰማሚዖም’ዮም።

ይኹን’ምበር እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ፣ ሓደ ነቲ ሓደ እናተወቓወሱ፣ ግጭት ክቕጽሉ ጸኒሖም።

ብመሰረት እቲ ዝተብጽሐ ስምምዕ፣ ሑቲ ሰራዊቱ ካብታ ወደብ ክስሕብ እንተኾይኑ፣ ኣብ ሪያድ ኣብ ስደት ዝርክብ መንግስቲ የመን ዝድግፋ ስዑዲ ዓረብ ሕቡራት ኢማራትን ደብዳብ ነፈርቲ ደው ከብላ’የን።

ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን፣ ንሑቲ ካብ ወደብ ሖደይዳ ብወትሃደራዊ ሓይሊ ንምጽራጝ ዝገበርኦ ናይ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ወፍሪ ድሕሪ ምፍሻሉ’ዩ እዚ ስምምዕ ተበጺሑ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብዛ ወደብ ንእተካይዶ ዝነበረት ናይ ነፈርትን መራኽብን ኵናት ንወደባት ኤርትራ ከም ናይ ሎጂስቲክ መናሃርያ ክትጥቀመሉ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ዝዓበየት ወደብ የመን ዝኾነት ሖደይዳ፣ ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት ተዛማዲ ርግኣት እንተረኺባ፣ ብስእነት መግብን መድሃኒታትን ንዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ የመን ዓቢ ፍታሕ ምዃኑ ይዝረበሉ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0