ገዳማት ኤርትራ ንምትእትታው ልኡኻት መንግስቲ ኤርትራ ንምውጋዝ ዝጸሓፍዎ ደብዳቤ ተዘርጊሑ

ገዳማት ኤርትራ ንምትእትታው ልኡኻት መንግስቲ ኤርትራ ንምውጋዝ ዝጸሓፍዎ ደብዳቤ ተዘርጊሑ

Radio Erena: 15 October, 2014

Ortodox

ገዳማት ኤርትራ፣ ንምትእትታዊ መንግስቲ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ንተራ ኣማሓዳሪ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣቶ ይፍታሄ ዲሜጥሮስን ጸሓፊኡ ኣቶ ሃብቶም ርእሶምን ዝውግዝ ወግዓዊ ደብዳቤ ዘርጊሔን።

እቲ ብስምረት ሽዱሽተ ገዳማት ኤርትራ ናብ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፣ ናብ ኩለን ክፍልታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፣ ናብ ኩለን ሃገረ ስብከታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታተን ኣብያተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራን ናብ ቤት ጽሕፈት ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኤርትራን ዝተላእከ ወግዓዊ ደብዳቤ፣ ናይ ኩለን እተን ገዳማት ማሕተም ክታምን ዝተነብሮ’ዩ።

እተን ንምትእትታው ልኡኻት መንግስቲ ኤርትራ ኣብታ ቤት ክርስትያን ንኣቶ ዩፍታሄ ዲሜጥሮስን ጸሓፊኡ ኣቶ ሃብቶም ርእሶምን ዝወገዛ ሽዱሽተ ገዳማት፣-

 

 

1. ገዳም ደብረ ቢዘን
2. ገዳም ጻዕዳ እምባ
3. ገዳም ደብረሲና
4. ገዳም ደብረ ሊባኖስ
5. ገዳም ኣቡነ እንድርያስን
6. ገዳም ቅዱስ ዮሃንስን’የን።

እተን ገዳማት ኣብቲ ብ1 ጥቕምቲ 2014 ዝዘርግሕኦ ወግዓዊ ደብዳቤ፣ እዛ ትእምርቲ ሓድነትን ሰላምን ዝኾነት ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ብሰንኪ’ቲ ብሕጊ ዘይቅየድ እኩይ ምትእትታው፣ መካነ ዕግርግር ኮይና፣ ሰላማ ተዘሪጉ፣ ተልእኾኣ ተሰናኺሉ፣ ደመና ምፍልላይ ኣንጸላልዩዋ፣ ኣብ ሓደጋ ወዲቃ ከምእትርከብ ኩሉ ሰብ ከስተውዕሎ ዘለዎ ሓቂ ምዃኑ ብምግንዛብ፣ ናይዚ ኹሉ ገጢሙዋ ዘሎ ዘጕሂ ድኻምን ዕንወትን ተሓተቲ እቶም ኣዕኑድ ሕግታታትን ምስጢራታን ዝጠሓሱ ልኡኻት ምዃኖም’ውን ኣስሚረናሉ።

እተን ገዳማት ኣብ ደብዳብኤን፣ ብሰንኪ ምትእትታውን ሕማቕ ተግባራትን ናይዞም ልኡኻት መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ካብ ዝተፈጸመ ገበናት

1. ኣዕማድ ምስጢራት ቤተክርስትያን ዝርከቦ ሕጊ ሃይማኖትን ስርዓተ ቤተክርስትያን ብቀጻሊ ምጥሓስን ከምዝጠሓስ ምግባር
2. ንስልጣን ቅዱስ ሲኖዶስን መዝነት ብጹእ ወቅዱስ ፓትርያርክ፣ ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትር ብሓይሊ ብምግባት ብስሞምን ብስልጣኖምን ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ምስራሕ
3. ጸግዕን ከውልን መናፍቓን ብምዃንን ብምግልጋልን ንተልእኾኦም ጥጡሕ ባይታ ምኽፋትን
4. ንኹሉ መዳያዊ ሃዋርያዊ ተልእኾን መንፈሳዊ ተግባራትን ቅድስቲ ቤተክርስትያን ሓኒቕካ ብምሓዝን ብምድኻምን፣ ንገዳማትን ስምረቶምን ንምብትታን ንምድኻምን ምስራሕ
5. ንሓድነት ቤተክርስትያን ኣብ ናይ ምምቕቓል ሓደጋ ዘእቱ ጠንቒ ህውከትን ዕግርግርን ቤተክርስትያን ዝኾኑ ተግባራት ምፍጻምን
6. ንዘይሕጋዊ ስልጣንን ምልካዊ ምሕደራን ተጠቒምካ ገዳማውያን ኣበው ንዝርከብዎም ንጹሃን ኣገልገልቲ ቤተክርስትያን ምክልባትን ብከንቱ ምውጋዝን
7. ብልሽውናን ካልእ ኣጸያፊ ዘይመንፈሳዊ ተግባራትን ኣብ ቤተክርስትያን ከምዝሰፍሕ ብምግባርን…
ብስም ገዳማት ኤርትራ ንውግዘኩም ኣሎና ክብሉ ደምዲሞም።

ብፍላይ ከኣ ብመንግስቲ ዝተመዘዙ ልኡኻት ኣቶ ይፍታሄ ዲሜጥሮስን እቶ ሃብቶም ርእሶምን ኣብታ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ከየገልግሉ ጥራይ ዘይኮነ ኣብታ ቤተክርስትያን ከይግልገሉ’ውን ብሕጊ ቤተክርስታን ወጊዞም ኣለዉ።

ካብ ሕጊ ቤተክርስትያን ወጻኢ ብዝኾነ መንገዲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም ብጹእ ወ ቅዱስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣብ ጥሪ 2006ተመሳሳሊ ደብዳቤ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ዘርጊሖም ምንባሮም ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቶም ኣብታ ቤተከርስትያን ብዙሕ ኣነዋሪ ተግባራት ዝፈጸሙ ልኡኻቱ ድሕሪ’ዛ ናይ ናይ ገዳማት ናይ ውግዘት ደብዳቤ ካብ ስልጣኖም ከምዝሰሓቦም መንበረ ጵጳስና ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምርግጋጹ ኣይርሳዕን።

=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0