ገዲም ስነ ጥብባዊ ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ ዓሪፉ

ገዲም ስነ ጥብባዊ ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ ዓሪፉ

Radio Erena: 08 August 2017

alamin

ካብ እዋን ንእስነቱ ኣትሒዙ ኣብ ስነጥበብ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓውዲ ሙዚቃ ክነጥፍ ዝጸንሐ ገዲም ድምጻዊ ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ ኣብ መበል 78 ዓመት ዕድሚኡ ብ7 ነሓሰ ዓሪፉ።

ኣባል ማሕበር ትያትር ኣስመራ ማለት ማትኣ ብምዃን ሓያሎ ደርፍታት ዘፍረየን ድሒሩ’ውን ኣብ ስደትን ካብ ስደት ምስ ተመልሰን ካብዚ ሞያ ስነጥበብ ዘይትኣልየን ድምጻዊ ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ፣ ኣብ ስነጥበብ ኤርትራ ዓቢ ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ መማህራን ሓደ’ዩ።

ሬድዮ ኤረና፣ ብሞት እስታዝ ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ ዝተሰምዓ ሓዘን እናገለጸት ንኹሎም ስድራቤቱን ማሕበረ ሰብ ስነጥበብ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም ትብል።

 

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0