ኢትዮጵያ፣ ን10 ኣዋርሕ ዝጸንሐ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ተላዒሉ

ኢትዮጵያ፣ ን10 ኣዋርሕ ዝጸንሐ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ተላዒሉ

Radio Erena: 08 August 2017

ethi

ብዓርቢ 4 ነሓሰ ህጹጽ ኣኼባ ዘካየደ ፓርላማ ኢትዮጵያ፣ ን10 ኣዋርሕ ጸኒሑ ዝጸንሐ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣልዒልዎ።

እቲ ፓርላማ ነቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ዘልዓሎ፣ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዝሓሸ ናይ ጸጥታ ኩነታት ስለትርከብ ምዃኑ ምንጭታት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ገሊጾም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሓያሎ ሰበ ስልጣን ብብልሽውና ኣብ ዝእሰርሉ ዘለዉ ግዜ፣ ምክትል ዳይረክተር ክፍሊ ግምሩክ ወይዘሮ ኣለም ጸሃይ ግርማይ ካብታ ሃገር ክትወጽእ ኣብ ዝፈተነትሉ ብፖሊስ ከምዝተታሕዘት ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢራ።

ንሳ ኣብ ቁጽጽር ዝኣተወትሉ ምኽንያት፣ ኣስታት 9 ሚልዮን ብር ብምጥፍፋእ ድሕሪ ምኽሳሳ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዛጊት ብብልሽውና ዝኸሰሶም ብውሕዱ 45 ዝኾኑ ሰበ ስልጣንን ነጋዶን ኣሲሩ ኣሎ።

ይኹን’ምበር ተቓወምቲ ወገናት እታ ሃገር እዚ ምስ ብልሽውና ተኣሳሲሩ ዝፍጸም ዘሎ ምእሳር ሰበ ስልጣን ፖለቲካዊ ምኽንያት ከምዘለዎ’ዮም ዝገልጹ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0