ዲፒ ዎርልድ መሰሉ ብሕጊ ከምዘረጋግጽ ይገልጽ

ዲፒ ዎርልድ መሰሉ ብሕጊ ከምዘረጋግጽ ይገልጽ

Radio Erena: 13 September 2018

djibouti dpworld2መንግስቲ ጂቡቲ፣ ነቲ ምስ ዲፒ. ዎርልድ ዝኣተዎ ውዕል ብምስራዝ ቤት ጽሕፈታቱ ምህጋር ይቕጽሎ ብምህላዉ፣ እቲ ትካል ንብረቱ ንምሕላው ኩሉ ሕጋዊ መንገድታት ክጥቀም ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ኣገልግሎታት ወደባት ዝነጥፍ ትካል ብኣፈኝኡ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ መንግስቲ ጂቡቲ ብሰምበት 9 መስከረም ንብረት ዲፒ ዎርልድ ከምዝሃገሮ ድሕሪ ምግላጽ፣ እቲ ተግባራት ንኣህጉራዊ ሕጊ ዝጻረርን ንንግዳዊ ውዕላት ዝጥሕስን እዩ ክብል ከሲሱ።

 

ንሱ ብተወሳኺ፣ ኣብ ጂቡቲ ወፍሪ ከካዪዱ ንዝሓስቡ ኣውፈርቲ፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ንውዕላትን ኣህጉራዊ ሕግታትን ኣኽብሮት ስለዘይብሉ፣ ኣብታ ሃገር ከየውፍሩ ዳግማይ ክሓስቡሉ ይግባእ ኢሉ።

ከምዝዝከር ኣብ 31 ነሓሰ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ፣ ንመንግስቲ ጂቡቲ ዝኣተዎ ውዕል ከኽብር ንሳልሳይ እዋኑ ውሳኔኡ ሂቡ’ዩ።

እንተኾነ መንግስቲ ጂቡቲ ንብረት ዲፒ ዎርልድ ብምህጋርን ንተርሚናል ዶራለህ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ብምእታውን፣ ነቲ ስምምዕ ጥሒሱዎ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0