ደቡብ ሱዳን: ናይ 1.2 ቢልዮን ዶላር ለቓሕ ንሱዳን ክትከፍል እያ

ደቡብ ሱዳን: ናይ 1.2 ቢልዮን ዶላር ለቓሕ ንሱዳን ክትከፍል እያ

Radio Erena: 12 September 2018

pipeline ssudanደቡብ ሱዳን ኣብ ልዕሌኣ ዝጸንሐ ናይ 1.2 ቢልዮን ዶላር ለቓሕ ንሱዳን ክትከፍል እያ።

ሚኒስተር ነዳዲ ደቡብ ሱዳን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ካብ 2012 ኣትሒዙ ከይተኸፍለ ዝጸንሐ ዕዳ፣ ደቡብ ሱዳን ኣብዚ ሕጂ እዋን ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዒላታት ነዳዲ ስርሑ ብምጅማሩ፣ ክትከፍሎ ድልውቲ ከምዘላ ገሊጹ።
ኣብ 2011 ደቡብ ሱዳን ክትንጸል እንከላ፣ ካሕሳ ናይቲ ሱዳን ዝኸሰረቶ ኣታዊታት ነዳዲ፣ ናይ 3 ቢልዮን ዶላር ለቓሕ ተሰኪማ’ያ ወጺኣ። 

እንተኾነ ኣብ 2012 ብዝተላዕለ ውግእ ሓድሕድ፣ ምህርቲ ነዳዲ ኣንቆልቊሉ ስለዝጸንሐ፣ እቲ ዕዳ ተወንዚፉ’ዩ ጸኒሑ።

 

‘ንመንግስቲ ካርቱም፣ ኣስታት 2 ቢልዮን ዶላር ከፊልናዮ ኢና። ምስዚ ምጅማር ሓድሽ ምህርቲ ነዳዲ፣ ነቲ ዝተረፈ 1.2 ቢልዮን ዶላር ናይ ምኽፋል ዓቕሚ ስለዘለና፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን እቲ ክፍሊት ክፍጸም’ዩ’ ክብል ሚኒስተር ጋትኮዝ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።

መንግስታት ጁባን ኻርቱምን ነቲ ብኲናት ሓድሕድ ዝዓነወ ትሕተ ቅርጺ ምህርቲ ነዳዲ ብሓባር ከሐድስዎ ኣብ ወርሒ ሰነ ምስምመዖም ይዝከር። ምህርቲ ነዳዲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክሳብ 300 ሽሕ በርሚል ንመዓልቲ ክበጽሕ ትጽቢት ይግበረሉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0