የመን፣ ኲናት ሖደይዳ ይቕጽል

የመን፣ ኲናት ሖደይዳ ይቕጽል

Radio Erena: 11 November 2018

hodeidahንወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ንምቁጽጻር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ገና ይቕጽል ከምዘሎ ምንጭታት ዜና ካብ የመን ሓቢሮም።

ኣብቲ ብቀዳም 10 ሕዳር ዝቐጸለ ውግእ፣ ዝዓበየ ሆስፒታል’ታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር’ቲ ብልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ዝድገፍ ሰራዊት የመን ኣትዩ ከምዘሎ ይግለጽ።

ስዑዲ ዓረብ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዝረኸበቶ ደገፍ ተሓጊዛ ኣብ እተካዪዶ ዘላ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፣ ንከተማ ሖደይዳን 600 ሽሕ ዝኣኽሉ ነበርታን ኣናዊጹዎም ከምዝቐነየ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣመሪካ ሰላማዊ ህዝቢ ከይጉዳእ ኣብ ምክልኻልን፣ ሰብኣዊ ረዲኤት ኣብ ምሃብን ጥራይ ተሓጺራ ከምዘላ የመልክት።

ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ፣ ነቲ ሆስፒታል ከም መዋግኢ ድፋዕ ክጥቀሙሉ ምፍታኖም፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሆስፒታል ዕንወት ከምዝወርድ ገይሮም ክትብል ስዑድያን መሻርኽታን ይኸሳ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝርከቦም ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ብወገኖም፣ ካብ ክልቲኦም ወገናት ከም ማይ ኣይሂ ዝዘንብ ዘሎ በብዓይነቱ ኣጽዋር ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ከውርዶ ዝኽእል ህልቂት ቀሊል ኣይኮነን ክብሉ ጥርዓናቶም የቕርቡ’ለዉ።

ብካልእ ወገን፣ ከም ሚኒስተር ዜና ዕጡቓት ሑቲ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ዓብዱልሰላም ዓሊ ጋብር፣ መዝነቱ ብምርሕራሕ ምስ ስድራቤቱ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዑቕባ ከምዝሓተተ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0