የመን፣ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራትን ኣየርላንዳዊ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛን ካብ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት ንስክላ ድሒኑ

Radio Erena: 09 December 2022

ሰእሊ፡ ኣርካይቭ ኢንተርነት

ኣብ የመን፣ ተልእኾ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ዝመርሕ ዘሎ፣ ዝተጦረተ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኣየርላንድ ነበር፣ ሜጀር ጀነራል ሚካኤል ቤሪ፣ ካብ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት ንስክላ ከምዝደሓነ መርበባት ዜና ገሊጸን።

ነቲ ወዲ 66 ዓመት ኣየርላንዳዊ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ዝዓጀበ ቓፍላይ፣ ብሰሉስ 06ታሕሳስ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ፣ ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ እናተጓዓዘ እንከሎ’ዩ ዝተጻወደ ነታጕ ረጊጹ።

ነቲ ነታጕ ዝረገጸት መኪና ድሕሪ ምፍንጃራ፣ እቲ ጀነራል መጠናዊ ጉድኣት ወሪድዎ ካብ ሞት ንስክላ ከምዝደሓደ ጋዜጣ ኣይሪሽ ሚረር ሓቢራ።

ጀነራል ቤሪ፣ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ የመንን ሑቲን፣ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ዝተበጽሐ ምቁራጽ ቶዅሲ ብፍላይ ድማ ከተማ ሖደይዳ፣ ካብ ክልቲኦም ሓይልታት ናጻ ኮይና፣ ወደባታ ኣብ ትሕቲ እቲ እህጉራዊ ውድብ ንሰብኣዊ ረዲኤት ክፉት ክኸውን ንዝብል ተልእኾ ኣብ ምምራሕ’ዩ ጸኒሑ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0