ዚምባብዌ፣ 10 ዓበይቲ ጎደናታትን ህንጻታትን ብስም መራሒ እታ ሃገር ክጽውዑ’ዮም

Radio Erena: 25 November 2019

ኣብ ዚምባብዌ፣ ብውሕዱ 10 ዓበይቲ ጎደናትትን ህንጻታትን ብስም’ቲ ንሮበርት ሙጋበ ዝተኸአ ፕረዚደንት ኤመርሰን ምናንጋዋ ክጽውዑ’ዮም።

ካቢነ ሚኒስተራት እታ ሃገር ብ22 ሕዳር ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ሓግዲ መግዛእቲ ብሪጣንያ’ዮም ንዝበሎም ጎደናታት፣ ብስም ሃገራውያን ኣህጉራውያንን ጀጋኑ ዝበሎም ውልቀሰባት ክጽዋዕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ገለ ካብቲ ንጎደናታትን ህንጻታትን ዝወሃብ ኣስማታ፣ ጆሞ ኬንያታ ናይ ኬንያ፣ ፓትሪስ ሉሙምባ ናይ ኮንጎ፣ ጀማል ዓብደልናስር ናይ ግብጺ፣ ማኦ ጸዱን ናይ ቻይና፣ ሊዮኢድ ብረዝነቭ፣ ፊደል ካስትሮ ናይ ኩባን ዝርከቦ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ንዝርከብ 10 ጎደናታትን ህንጻታትን ግና ብስም ፕረዚደንት ኤመርሰን ምናንጋዋ ክትካእ’ዩ።

ህዝቢ ዚምባብዌ፣ እቲ ሓድጊ መግዛእቲ ዘዘኻኽር ኣስማት ጎደናታት ምእላዩ ዝቃወሞ እኳ እንተዘይኮነ፣ ቁጠባ እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ እናሃላወ፣ ካቢነ ሚኒስተራት እታ ሃገር ንምቕያር ኣስማታ ጎደናታት ቀዳምነት ሂቡ ምእካቡ ከምዘቖጠዖ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ስምዒታቱ ኣብ ምግላጽ ይርከብ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0