ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ፓለርሞ፣ ኤርትራዊ መድሃኔ ተስፋማርያም ናጻ ክወጽእ የብሉን ብምባል ይግባይ ሓቲቱ

Radio Erena: 24 November 2019

medhanieቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ፓለርሞ፣ ኤርትራዊ መድሃኔ ተስፋማርያም ናጻ ክወጽእ የብሉን ብምባል ይግባይ ሓቲቱ።
ብግጉይ መንነት ንነዊሕ እዋን ኣብ ቤት ማእሰርትን ቤት ፍርድን ክከላበት ዝጸንሐ መድሃኔ ተስፋማርያም፣ በዚ ሓድሽ ቀሪቡ ዘሎ ናይ ይግባይ ክሲ፣ ነቲ ዝሓለፎ መስርሕ ኩሉ ክደግሞ ማለት ከምዝኾነ ራድዮ ፍራንስ ሓቢራ።
ጠበቓታት መድሃኔ ተስፋማርያም ኣብ ዝሃብዎ ቃል፣ እቲ ቀንዲ ኣሰጋጋሪ ደቂ ሰብ ማለት መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ፣ ገና ብናጽነት ይንቀሳቐስ እንዳሃለወ፣ እዚ ብግጉይ መንነት ዝተቐየደ መድሃኔ ግና ብቤት ፍርዲ ክከላበት ፍትሓዊ ከምዘይኮነ ገሊጾም።
ቤት ፍርዲ ኢጣልያ ብ13 ሓምለ ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ መድሃኔ ተስፋማርያም ዝቐረበ መርትዖታት ስለዘይተቐበሎ፣ ናጻ ክወጽእ እዩ ወሲኑ ኔሩ።
ገበነኛ ንዘሙዃኑ ዝገልጽ መርትዖታት ብኣንጻሩ ብጭብጢ ሓቅነቶም ተረጋጊጹ እንዳሃለወ፣ ኣብ ዳግማይ መስርሕ ፍርዲ ክእቶ፣ ሃልኪ ግዜን ገንዘብን ብዓቢኡ ከኣ ኣብ ልዕሊ ህይወት መድሃኔ ተስፋማርያምን ቤተሰቡን ዘውርዶ ዘሎ በሰላ ከቢድ ምዃኑ ሓያሎ ጠበቓታትን ተጣበቕቲ መሰላትን ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0