‘ዕሉል ኣሰጋጋሪ ደቂሰብ ተባሂሉ ክህደን ዝጸንሐ ኤርትራዊ፣ ብምትሕብባር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ሱዳን ተታሒዙ።’ ኢንተርፖል

Radio Erena: 06 January 2023

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ምትሓዝ ‘ዕሉል ኣሰጋጋሪ ደቂ ሰባት ተባሂሉ’ ክህደን ዝጸንሐ ኤርትራዊ ዓቢ ግደ ከምዝነበራ ኢንተርፖል ገሊጹ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ምትሓዝ ‘ቲ ዕሉል ኣሰጋጋሪ ደቂ ሰብ ተባሂሉ ክህደን ዝጸንሐ፣ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ዝተባህለ ኤርትራዊ፣ ልዕሉ ግደ ከምዝነበራ፣ ኣብ ፈረንሳ፣ ከተማ ሊዮን ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ፖሊስ ወይ ኢንተርፖል ገሊጹ።

ኪዳነ፣ ብመንግስታት ኢትዮጵያን ኔዘርላንድስን ብዝተዋህበ ሓበሬታ ኣብ ጠመተ ኣትዩ እኳ እንተጸንሐ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብዝገበረቶ ልዑል ኣበርክቶ ኣብ ባሕቲ ጥሪ ኣብ ሱዳን ክትሓዝ ከምዝኸኣለ’ዩ መግለጺ ኢንተርፖል ዘመልክት።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝኾነ፣ ሰይድ ዓብዱላሂ ኣል ሱወይዳ፣ ምትሓዝ ኪዳነ ንሓደ ካብ ዓበይቲ መርበባት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ዓጽዩ ክብል ምግላጹ፣ ኣልጀዚራ ሓቢራ።

ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን፣ ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብምስግጋርን፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብዙሕ ግፍዕታት ብምፍጻምን ዝኽሰስ ኪዳነ፣ ብፍላይ ካብ 2019 ንደሓር ብዝልዓለ ክህደን’ዩ ጸኒሑ።

ንሱ፣ ኣብ 2019 ኣብ ኢትዮዮጵያ ተታሒዙ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ ለካቲት 2021 ካብ ማእሰርቲ እታ ሃገር ሃዲሙ ተሰዊሩ ምጽንሑ’ዩ ዝግለጽ።

ብፍላይ ሆላንድ፣ ነቲ 38 ዓመት ዝዕድሚኡ ኪዳነ፣ ካብ ጥቅምቲ 2021 ኣትሒዛ፣ ኣብ መዝገብ ብዝልዓለ ዝህደኑ ገበነኛታት’ያ ኣስፊራቶ ጸኒሓ።

ንነዊሕ ዓመታት ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ተኸሲሱ ክህደን ዝጸንሐ፣ ጆን ሃብተ ዝተባህለ ኤርትራዊ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ኬንያ ምትሓዙ ጸብጻብ ኢንተርፖል ይጠቅስ።

እቲ ካብ 2017 ኣትሒዙ፣ ብመንግስቲ ኔዘርላንድስ ክህደን ዝጸንሐ ወዲ 57 ዓመት ኤርትራዊ፣ ብፖሊስ ኬንያ ድሕሪ ምትሕዙ፣ ናብ ፖሊስ ኔዘርላንድስ ተሰጋጊሩ።

ናይ ኤርትራን ነዘርላንድስን ድርብ ዜግነት ከምዘለዎ ዝተገልጸ ጆን ሃብተ፣ ፖስፖርትን ቪዛን ብምትምያን፣ ናይ ልደት፣ መርዓ፣ ትምህርቲን ካልእ ሰነዳትን ብምስናዕን፡ ኣማኢት ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ከምዘሰጋገረ ይኽሰስ።

ኢጣልያን ብሪጣንያን፣ ምስ ሱዳን ብምትሕብባር፣ ብስም’ቲ፣ ‘ዕሉል ኣሰጋጋሪ ደቂሰብ ምዃኑ ዝጥቀስ፣ መድሃኔ ይሕደጎ ዝተባህለ ኤርትራዊ፣ ብጉጉይ መንነት መድሃኔ ተስፋማርያም ዝተባህለ ተራ ስደተኛ፣ ኣብ ግንቦት 2016፣ ካብ ካርቱም ኣሲሮም ናብ ሲቺልያ ኣምጺኦም ከምዝኣሰርዎ ኣይርሳዕን።

መድሃኔ ይሕደጎ፣ በቲ ኣብ ጥቅምቲ 2013፣ ህይወት ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ዘህለቐ፣ ሓደጋ ባሕሪ ላምፔዱሳን ካልእ ገበናት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብን ተኸሲሱ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ይህደን ምህላዉ ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0