ሶማል፣ ኣልሸባብ ኣብ መኪና ብዘጻወዶ ነታጕ፣ ትሽዓተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ዝርከብዎም ብውሕዱ 30 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 06 January 2023

ኣብ ማእከላይ ሶማል፣ ዞባ ሒራን፣ ማሓስ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ኣልሸባብ ኣብ መኪና ነታጕ ብምጽዋድ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 20 ሰባት ከምዝተቐትሉ መርበባት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

በቲ ኣብ ክልተ መካይን ነታጕ ብምጽዋድ፣ ብ4ጥሪ፣ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ መብዛሕቶም ዝተቐትሉ ሰለማውያን ሰባት ምዃኖም ዝገለጹ ሓይልታት ጸጥታ ሶማል፣ ትሽዓተ ኣባላት ዘለዉዋ ስድራ ካብቶም ግዳያት ምዃና ኣመልኪቶም።

ኣልሸባብ ብወገኑ፣ ኣብ ማሓስን ዳዳናድን ኣብ ዝተባህለ ከባቢታት፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መንግስቲን ደገፍቱ ዝኾኑ ሚሊሻታትን፣ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 87 ሰባት ከምዝቐተለ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ጠቒሱ።

መንነትን ብዝሒን ግዳያት ናይቲ መጥቃዕቲ ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።

ብነፈርቲን ድሮናትን ኣመሪካ፣ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃን ሚሊሻታት ዝተፈላለዩ ቀቢላታትን ዝድገፍ ዘሎ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ጽዑቕ መጥቃዕታት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ኣብ ኤርትራ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ኣብ ታዕሊም ዝጸንሑ ኣሽሓት ሶማላውያን ወትሃደራት፣ ናብ ዓዶም ኣብ ዝኣተውሉ’ውን ኣብቲ ኣንጻር ኣልሸባብ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ከምዝተጸንበሩ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ፣ ጀነራል ጣሊል ቢሒ ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብወገኑ፣ ሶማል፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብ ኣልሸባብ ሓራ ከምእትኸውን ገሊጹ’ሎ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0