ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን፣ ኣብታ ሃገር ጸኒዑ ዝጸንሐ እዋን እቶ እቶ ኣልዒሉ

Radio Erena: 14 April 2019

ድሕሪ ምእላይ ኣልበሽር ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን፣ ኣብታ ሃገር ጸኒዑ ዝጸንሐ እዋን እቶ እቶ ከምዘልዓሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ቆንስል ብ11 ሚያዝያ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ህዝባዊ ምልዕዓል ሱዳን ምስ ጀመረ ዝተኣወጀ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጃት ይምርምሮ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣብ እዋን’ቲ ምልዕዓል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰልፈኛታት እውን ናጻ ክወጹ ኣዚዙ ኣሎ።

ኣፈኛ’ቲ ቆንስል ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣል ቡርሃን ብሬድዮን ተለቪዥንን’ታ ሃገር ኣብ ዝተመሓላለፈ መልእኽቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣህጉራዊ ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ብግቡእ ክትግበር ሙዃኑ ገሊጹ።

እንተኾነ ተጣበቕቲ መሰላት እታ ሃገር ኣብ ዝህቡዎ ዘለዉ መደረታት፣ ኣብቲ ኣልበሽር ዝመርሖ ዝነበረ ስርዓት ሰበስልጣናት ዝነበሩ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ኩሎም ከይተኣልዩ ምሉእ ለውጢ ክርከብ ስለዘይከኣል፣ ህዝቢ ብመደረታት ከይተታለለ ሰላማዊ ሰልፉ ክቕጽል ይላበዉ ኣለዉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ሓላፊ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ሱዳን ዝነበረ ሳላሕ ጎሽ ብገዛእ ፍቓዱ ስልጣኑ ከምዝሓደገ ኣፍሊጡ።

ዲፕሎማስያውያን ምጭታት ካብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዘመሓላልፉዎ ዘለዉ ሓበሬታ ብኣንጻሩ፣ እቲ ሓላፊ ጸጥታ ነበር፣ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ወዲቑ ከምዘሎ የመልክቱ።

ኣቐድም ኣቢሎም፣ ምኽትል ፕረዚደንት ዓወድ ኢብን ዑፍ፣ ከምኡ’ውን ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ከማል ዓብደል ማዕሩፍ ብዓርቢ 12 ሚያዝያ ስልጣኖም ከምዘረከቡ ይፍለጥ።

ኣብዚ ሱዳን ኣብ ቃራና መንገዲ እትርከበሉ ዘላ እዋን፣ ህዝቢ ሱዳን ክጠልቦ ዝጸንሐ መሰረታዊ ለውጢ ክረክብ ድዩ ዋላስ ምቅይያራት ሓለፍቲ ጥራይ ተገይሩ ሕሰሙ ክቕጽል፣ ንምግማቱ ኣሸጋሪ ኮይኑ ከምዘሎ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ሃብቶም 5 years ago

    ማዕበላዊ ተቓውሞ ሱዳናውያን፣ መባአታዊ መድረኽ ንውድቀት ኢሳያስ አዩ።