ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ዘካይድኦ ዘለዋ ደብዳብ ይቕጽል

Radio Erena: 15 April 2019

ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ዘካይድኦ ዘለዋ ደብዳብ ብዝልዓለ መልክዑ እናሓየለ ይመጽእ ኣሎ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ልዕሊ ሶማል ከተካይዶ ዝጸንሓት ደብዳብ ብዝልዓለ መልክዑ ትቕጽል ዘላ፣ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቕሱ እስላማውያን ሽበራውያን ጉጅለታት ሕጂ’ውን ስግኣት’ዮም ብዝብል፣ ክካየድ ዝጸንሐ ወትሃደራዊ ስርሒታት ክናዋሕ፣ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ዘሕለፎ ትእዛዝ’ዩ።

እቲ ኣብ ሶማል ዝካየድ ወትሃደራዊ ስርሒታት ኣመሪካ ክሳብ ሸውዓተ ዓመታት ክቕጽል ከምዝኽእል’ውን ተሓቢሩ።

ኣመሪካ፣ ብሰብ ኣቦ ነፈፍቲ ከተካይዶ ዝጸንሐት ተደጋጋሚ ደብዳብ፣ ሓያሎ ሰለማውያን ሰባት ግዳያት ኮይኖም’ዮም።

ይኹን’ምበር፣ እታ ሃገር፣ ሽበራውያን ብምህዳን ዕዉት መጥቃዕታት ተካይድ ከምዘላ’ያ ትሕብር።

ብሰንበት 14 ሚያዝያ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ፣ ንሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ፣ ናይቲ ምስ ዳዒሽ ምትእስሳር ኣለዎ ዝብሃል ናይ ሶማል ጉጅለ ሽበራ ከምዝቐተለት ተመልክት።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0