ኬንያ ምስ ሽበራ ብዝተሓሓዝ ፍቓድ ናይ 510 ዘይመንግስታውያን ትካላት ሰሪዛ

ኬንያ ምስ ሽበራ ብዝተሓሓዝ ፍቓድ ናይ 510 ዘይመንግስታውያን ትካላት ሰሪዛ

Radio Erena: 18 December 2014

KNGO

መንግስቲ ኬንያ ምስ ሽበራ ብዝተሓሓዝ ፍቃድ ናይ 510 ዘይመንግስታውያን ትካላታ ሰሪዙ።

እቲ መንግስቲ ነዚ ስጉምቲ ዝወስድ ዘሎ፣ ኣብ ሃገር ዝርከባ 10ታት ዘቤታውያንን ግዳማውያንን ዘይመንግስታውያን ትካላት ምስ ሽበራውያን ጉጅለታት ምትእስሳር ኣለወን ዝብል ጥርጣረታት በዚሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

ሓላፊ ምውህሃድ ምስ ዘይምንግስታውያን ትካላት ኬንያ ሄንሪ ኦቺዶ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣብ ኬንያ ዝርከባ ኣማኢት ትካላታ ፊናንሳዊ ጸብጻባተን ንመንግስቲ ከቕርባ ብዘይምኽእለን ፍቃደን ክስረዝ ከምዝኽኣለ ኣረዲኡ።

 

እተን ትካላት ምጽራይ ክሳብ ዝካየደለን’ውን ኣብ ባንክ ዘለወን ሕሳብ ደስኪሉ ምህላዉ መንግስቲ ኬንያ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኬንያ ግዳይ ተደጋጋሚ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብምዃና፣ መንግስቲ እታ ሃገር ነዚ ንምቑጽጻርን ጸጥታ ንምውሓስን ሓድሽ ኣዋጅ ኣብ ምጽዳቕ ከምዝርከብ’ዩ ዝንገረሉ።

ሓደ ካብቲ ኣዋጅት’ውን ኣብተን ብፍኑው ክንቀሳቐሳ ዝጸንሓ ኣማኢት ዘይመንግስታውያን ትካላታ ምቁጽጻር ምግባር ዝብል ይርከቦ።

እተን ድሮ ፍቓደን ተሰሪዙ ዘሎ ዘይመንግስታውያን ትካላት ኣብ ሃይማኖታዊ ኣገልግልግሎታት፣ ረዲኤትን ምንባይ ዘኽታማትን ክነጥፋ ዝጸንሓ ኮይነን፣ ኣብ ሕክምናን ክነጥፋ ዝጸንሓ 12 ካልኦት ትካላት’ውን ፍቓደን ቕድሚ ምስራዙ ፊናንስያዊ ጸብጻበን ናብ መንግስቲ ከቕርባ ናይ 21 መዓልታት ተዋሂቡወን ኣሎ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0