የመን፣ ብሽበራዊ መጥቃዕቲ 15 ቆልዑ ተቐቲሎም

የመን፣ ብሽበራዊ መጥቃዕቲ 15 ቆልዑ ተቐቲሎም

Radio Erena: 18 December 2014

yem15

ኣብ የመን ኣብ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 15 ተማሃሮ ተቐቲሎም።

እቲ ኣልቃዒዳ ከምዘካየዶ ዝተገልጸ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ንሓደ ካብ መራሕቲ ሑቲ ናይ ሺዓ ዘነጻጸረ እኳ እንተነበረ፣ ዒላምኡ ስሒቱ ተማሃሮ ንእተመላልስ ኣውቶቡስ ከምዘሃረመ’ዩ ዝግልጸ ዘሎ።

በቲ ኣብ ከተማ ራዳ ዝተኻያደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብታ ኣውቶቡ ዝነበሩ ብውሕዱ 15 ቆልዑ ክቕተሉ እንከለዉ፣ ኣስታት 10 ዝኾኑ ካልኦት ሰለማውያን ሰባት’ውን ከምዝሞቱ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ይሕብር።

 

ብኣመንቲ ሱና ዝምራሕ ኣብ የመን ንዝቀሳቐስ ጉጅለ ኣልቃዒዳ፣ ኣመንቲ ሺዓ ብዝኾኑ ዑጡቓት ሑቲ ከብዲ መጥቃዕታት ክካየደሉ ከምዝቐነ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣልቃዒዳ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ክፍክር ጸኒሑ’ዩ።

እንተኾነ ኣውራ ግዳያት ናይቲ ኣልቃዒዳ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ቆልዑ ብምዃኖም፣ ነበርቲ ከተማ ራዳ ኣብ ልዕሊቲ ጉጅለ ዘለዎም ጽልኣት ሰማይ ዓሪጉ ምህላዉ ማዕከናት ዜና የመን የመልክታ።

ሽበራውያን ጉጅለታት ከም መቐጸልትታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰለማውያን ሰባት ዘካይድዎ መጥቃዕቲ፣ ኣብዚ እዋን ኣብ ንቆልዑ ግዳያት ምግባር ብዝልዓለ ይደፍእሉ’ውን ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ፓኪስታን ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ዝተኻየደ ልዕሊ 140 ተማሃሮ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ከም ተወሳኺ ኣብነት ብምጥቃስ ሓያሎ ወገናት ይነቕፉ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0