ኬንያ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተዉ 22 ኤርትራውያን ቀይዳ

Radio Erena: 23 May 2019

መንግስቲ ኬንያ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ’ዮም ዝበሎም 22 ኤርትራውያን ብሰኑይ 20 ግንቦት ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ’ውን 17 ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 22 ካልኦት ብተመሳሳሊ መንገዲ ከምዝሓዘ ይጠቅስ።

እቶም ብሞያለ ኣቢሎም ከምዝኣተዉ ዝተነግረሎም ኤርትራውያን፣ ብመኪና እናተጓዓዙ እንከለዉ’ዮም ቲካ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ተታሒዞም።

ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝተጠርጠሩ ኣርባዕተ ኬንያውያን ኣብቲ ፍጻሜ ተቐይዶም ኣለዉ።

ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናይ ዝሰግሩ ዘለዉ ብዝሒ ኤርትራውያን እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ጸብጻብ ፖሊስ እታ ሃገር የመልክት።

ካብዞም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኬንያ ዝኣትዉ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ገሊኦም ኣብታ ሃገር ንምትራፍ ዝሓለኑ’ዮም።

ካልኦት ድማ ጉዕዝኦም ናብ ዩጋንዳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራት ንምቕጻል ዘንቀዱ ምዃኖም ሰነዳት ፖሊስ ኬንያ ይሕብር።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0