ሓላፊ ጸጥታ ስርዓት በሺር ነበር፣ ናብ ሕጊ ከይቀርብ ዓጀብቱ ከልኪሎም

Radio Erena: 23 May 2019

ብሳልሕ ጎሽ ዝፍለጥ ሓላፊ ጸጥታ ስርዓት ኣል በሺር ነበር ሳልሕ ዓብደላ መሓመድ፣ ናብ ሕጊ ከይቀርብ ዓጀብቱ ከምዝከልከሉ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ፖሊስ ሱዳን፣ ነቲ ሓላፊ ጸጥታ ነበር ካብ ገዝኡ ከምጽእዎ ብሰሉስ 21 ግንቦት ድሕሪ ምኻዶም፣ ዓጀብቱ ከይቀርቡ ስለዝኸልከልዎም፣ ከይሓዝዎ ከምዝተመልሱ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ እዋን ተቓውሞ ኣንጻር ስርዓት ኣልበሺር፣ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ክሳብ ናይ ሞት ዝበጽሕ ስጉምቲ ክውሰድ ብምእዛዙ ዝኽሰስ ዘሎ ሳልሕ ጎሽ፣ ኣብ ትሕቲኡ ዝርከብ 1 ቢልዮን ዶላር ምጽራይ ክካየደሉ ብምጥላብ’ዩ ኣኽባር ሕጊ ክእሰር ኣዚዙ።

እንተኾነ፣ ብሰንኪ ሓለዋ ዓጅብቱ ኣይተኻእለን ዘሎ።

ሳልሕ ጎሽ፣ ብስሙ ኣብ ናይ ወጻኢ ባንክ ዝርከብ ኣስታት 1 ቢልዮን ዶላር፣ ንሱ ጥራይ ከንቀሳቕሶ ፍቓድ ከምዘለው’ዩ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ዝገልጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0