ኬንያ፣  ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ሸሞንተ ኤርትራውያን ተታሒዞም

ኬንያ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ሸሞንተ ኤርትራውያን ተታሒዞም

ኬንያ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ኣትዮም ዝበለቶም ሸሞንተ ኤርትራውያን ቀይዳ።

ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቶም ካብ 17 ክሳብ 31 ዓመት ዝዕድሚኦም ኤርትራውያን፣ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ተመሪሖም፣ ብመኪና ኣብ ዝጓዓዝሉ ዝነበሩ እዋን’ዩ ብሰንበት 31 መጋቢት፣ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር ዞባ ኢሲዮሎ ተታሒዞም።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ምስግጋር እቶም ኤርትራውያን ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ሰባት’ውን ተኣሲሮም ኣለዉ።

እቶም ኤርትራውያን፣ ካበይ ተበጊሶም ናብይ ድማ የምርሑ ኔሮም ብዝርዝር እንተዘይተገልጸ፣ ካብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ ምዃኖም ይግመት።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝጸንሑ ኣሽሓት ኤርትራውያን፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ እናሰገሩ ናብ ኬንያ ክኣትዉ ምጽንሖም ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

መብዛሕቶም ናብ ዶብ ኣፍሪቃ፣ ኡጋንዳን ካልኦት ሃገራትን ናይ ምስጋር መደብ ዘለዎም ኮይኖም፣ ሓያሎ ድማ ኣብ ኬንያ ከምዝተርፉ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0