ደንማርክ፣ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ኣትለታት ተሰዊሮም

ደንማርክ፣ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ኣትለታት ተሰዊሮም


ኣብ ደንማርክ፣ ከተማ ኣርሁስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ኣትለቲክስ 2019 ንምስታፍ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ከምዝተሰወሩ ፖሊስ ደንማርክ ኣፍሊጡ።

እቶም ስማቶም ብዝርዝር ዘይተገልጸ ኤርትራውያን ኣትለታት፣ ብሓሙስ 28 መጋቢት ካብ ዝዓረፍሉ ሆቴል ምስ ወጹ ከምዘይተመልሱ፣ ሓበሬታ ዝበጽሖ ማሕበር ኣትለቲክስ ደንማርክ፣ ብኡ ንብኡ ምስዋሮም ንፖሊስ ሓቢሩ።

እቶም ተሰዊሮም ዝብሃል ዘሎ ኤርትራውያን ኣትለታት፣ ፓስፖርቶም ምስቲ ብእኩብ ሒዝዎ ዝነበረ ወኪል’ዮም ገዲፎሞ።

እቶም ኤርትራውያን፣ ኣብ ሃገራት ስካንዲኒቭያ ዑቕባ ንምሕታት’ዮም ተሰዊሮም ዝብል ዝልዓለ ግምት ኣሎ።

ኤርትራውያን ስፖርተኛታት ኣብ ዝገሽዎ ሃገር፣ ዑቕባ ንምሕታት ብእኩብ ክተርፉ ወይ ክስወሩ እዚ ናይ ደንማርክ ናይ መጀመርያ ኣይኮነን።

ኣብ 2011፣ ምልእቲ ሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዑቕባ ንምሕታት ኣብ ቦትስዋና ከምዝተረፈት ኣይርሳዕን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0