ኬንያ፣ ቤት ትምህርቲ ብምፍራሱ ሸውዓተ ተማሃሮ ሞይቶም

Radio Erena: 24 September 2019

ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ዝርከብ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ብምፍራሱ ሸውዓተ ተማሃሮ ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 50 ቆሲሎም።

እቲ ካብ ዕንጨት ዝተሰርሐ ቤት ትምህርቲ ዝፈርሰ፣ ሰኑይ 23 መስከረም፣ ናይዚ ዓመት’ዚ ስሩዕ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ኣብ ዝጀመረሉ ዕለት፣ ተማሃሮ ነናብ ክፍሎም ድሕሪ ምውእታዎም ሒደት ደቓይቕ ጸኒሑ’ዩ።

ምኽንያት ምፍራስ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ጎኑ ብዝተሰርሐ መሕለፊ ረሳሕ ማይ ብዝፈጠሮ ምህማም’ዩ ተባሂሉ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ኬንያ ንጠንቂ ምፍራስ እቲ ቤት ትምህርቲ የጻርዮ ኣሎ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0