ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዞም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መጓዓዝያ ኩባንያ ሓራት፣ ናይ ገሊኦም ደሃይ ክርከብ ኣይከኣለን

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዞም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መጓዓዝያ ኩባንያ ሓራት፣ ናይ ገሊኦም ደሃይ ክርከብ ኣይከኣለን

Radio Erena: 14 May 2015

Haratbus3

መንግስቲ ኤርትራ ካብ መጀመርያ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ ካብ ዝቀየዶም ሓያሎ ሰራሕተኛታት ኩባንያ መጓዓዝያ ሓራትን ጋራጅ መንግስቲ ነበረን፣ ገሊኦም ዝኾነ ደሃይ ከምዘይብሎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

እቶም ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሰራሕተኛታት ኩባንያ መጓዓዝያ ሓራትን ጋራጅ መንግስቲ ነበርን ካብ ሓለፍቲ ክሳብ ተራ መራሕቲ መካይን ሰራሕተኛታት ጽገናን ኮይኖም፣ ዝተኣስርሉ ምኽንያት ብወግዒ ኣይተፈልጠን።

 

እንተኾነ፣ እቶም ሰራሕተኛታት መጓዓዝያ ዝተኣስርሉ ምኽንያት ብዘይሕጋዊ መሸጣ ነዳዲን ንብረትን ካልእ ምጥፍፋኣትን’ዩ ዝብል ወረ ከምዝተጋውሐ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት የረድኡ።

ካብቶም ኣብቲ እዋን’ቲ ዝተኣስሩ ኣስታት 120 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ኩባንያ መጓዓዝያ ሓራትን ጋራጅ መንግስቲ ነበረን፣ መብዛሕቶም ኣብ ካርሸሊ፣ ሻደሻይ መደበር ፖሊስን ካልእ መደበራትን ተቀይዶም ከምዘለዉ ስድራቤታቶም ከረጋግጹ እንከለው፣ ዛጊት ናበይ ከምዝተወስዱ ዘይተፈልጡ ምህላዎም’ውን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ ይጠቅስ።

ኩባንያ ሓራት፣ ብህግደፍ ዝውነን ትካል ኮይኑ፣ መንግስቲ ብዝገብረሉ ናይ ነዳድን ካልእ ሓለፋታትን ንናይ ብሕቲ ትካላት መጓዓዝያ ብምድዃም፣ ነቲ ካብን ናብን ከተማታት ኤርትራ ዝካየድ ጉዕዞ ዓብሊሉ ይርከብ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0