ፕረዚደንት ኬንያታ ዝጸዓነት ነፋሪት ጉዕዝኣ ብምስራዝ ክትምለስ ዝተገደትሉ ብሰንኪ ምኽሪ ኢትዮጵያ ምዃኑ ተገሊጹ

ፕረዚደንት ኬንያታ ዝጸዓነት ነፋሪት ጉዕዝኣ ብምስራዝ ክትምለስ ዝተገደትሉ ብሰንኪ ምኽሪ ኢትዮጵያ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 14 May 2015

kenypre

ፕረዚደንት ኬንያ ዝጸዓነት ነፋሪት ካብ ጉዕዞኣ ብሃንደበት ክትምለስ ዝተገደደትሉ ምኽንያት ብሰንኪ ኢትዮጵያ ዝሃበቶ ምኽሪ ምዃኑ መርበባት ሓበሬታ እታ ሃገር ኣምልኪተን።

መንግስቲ ኬንያ፣ ፕረዚደንት ኡሁሩ ዑደቱ ብምስራዝ ብሃንደበት ናብ ዓዱ ክምለስ ዘገደደ ፍጻሜ ከጻሪ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብሰንበት 10 ግንቦት ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ተቃውሞ ደብዳቤ ከምዝልኣኸ’ውን እተን መርበባት ገሊጸን።

 

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ፣ ኣብ ናይሮቢ ንዝርከብ ኣምባሳደር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብምጽዋዕ፣ ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ብዝምልከት ዘለዎ ወግዓዊ ተቓውሞ ብመልክዕ መዘክር ከምዘረከበ’ውን ሓደ ካብ ሰበ ስልጣን እቲ ሚኒስትሪ ዶክተር ካራንጃ ኪቢቾ ኣፍሊጡ።

ንፕረዚደንት ኬንያን ኡሁሩ ኬንያታ ዝጸዓነት ነፋሪት፣ ብክሊ ኣየር የመን ንኸይትሓልፍ ካብ ኢትዮጵያ ብዝተዋህባ ምኽሪ መንገዳ ከምዝቐየረትን ብሰንኩ ድማ ዑደት እቲ ፕረዚደንት ከምዝተሰናኸለን ክረጋገጽ ክኢሉ ኣሎ።

ማዕከናት ዜና ኬንያ ዘቕረብኦ ዜና፣ ንፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ዝጸዓነት ነፋሪት ብክሊ ኣየር ኤርትራ ከይትሓልፍ መጠንቐቕታ ስለዝተዋህባ፣ እቲ ፕረዚደንት ዑደቱ ብምስራዝ ብሃንደበት ናብ ናይሮቢ ከምዝተመልሰ’የን ገሊጸን።

ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣቶ በየነ ርእሶም በንጻሩ፣ ነታ ንፕረዚደንት ኡሁሪ ኬንያታ ዝጸዓነት ነፋሪት ብክሊ ኣየር ኤርትራ ክትሓልፍ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝፈቐደ ብምግላጽ እታ ነፋሪት ብሃንደበት ክትምለስ ዝተገደደትሉ ምኽንያት ግና ከምዘይፈለጠ ሓቢሩ።

ኣምባሳደር በየነ ርእሶም፣ ንፕረዚደንት ኬንያ ዝጸዓነት ነፋሪት ብክሊ ኣየር ኤርትራ ክትሓልፍ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ክፍሊ ፕሮቶኮል ኬንያ ኣብ ውዱእ ሰዓታት ከምዝሓተተ ብምጥቃስ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ብዘይዝኾነ ጸገመ ኣብ ውሽጢ 20 ደቓይቕ ነቲ ፍቓድ ከምዝሃበ’ዩ ዘመልክት።

ንፕረዚደንት ኬንያ ዝጸዓነት ነፋሪት ብኢትዮጵያ ኣቢላ ናብ ክሊ ኣየር ኤርትራ ኣብ ዝቐረበትሉ እዋን’ያ ብሃንደበት ከምዝተመልሰት ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ሓይሊ ኣየር ምጥቃሶም ዝዝከር’ዩ።

=========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0