ካብ ክልል ኣምሓራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብብዝሒ ክኣቱ ዝተበገሰ ህዝቢ ይዕገት ምህላዉ ተገሊጹ

ስእሊ፡ ኣርካይቭ ኢንተርነት

Radio Erena: 02 August 2022
ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ፣ ብብዝሒ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ዝተበገሰ ህዝቢ፣ ብሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ይዕገት ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ብፍላይ ካብ ሰሜንን ደቡብን ወሎ ተበጊሱ፣ ብዝተፈላለያ መካይን እናተጓዕዘ፣ ብከተማ ደብረብርሃን ኣቢሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትዉ ዝፍትን ዘሎ ህዝቢ፣ ኣብ ኬላታት ብዙሕ መከራን ግፍዕን ይወርዶ ከምዘሎ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣመልኪቱ።

ኣቶም ብዙሕ መሰናኽል ሓሊፎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝቐረቡ ድማ፣ ኣብ ኬላታት ኣዲስ ኣበባ ብፍላይ፣ ከባቢ ለገዲዳ ተታሒዞም፣ መንነት ወረቐት የለብኩም ተባሂሎም፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታው ስለዝተኸልከሉ ብዝመጽእዎ ክምለሱ ይግደዱ ምህላዉ እቲ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

እቲ ዝካየድ ዘሎ ተፍትሽን ህዝቢ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይኣቱ ምክልካልን፣ ዕጡቓት ትግራይ ሰሊኾም ከይኣትዉ ዝብል ዘይንጹር መብርሂ ይወሃቦ ምህላዉ ዘ ሪፖርተር ንሰበ ስልጣን ክልል ኣምሓራ ብምጥቃስ ይሕብር።

እንተኾነ፣ እቲ ጉዳይ፣ ‘ንሕና ኣይኮንናን’ ብዝብል ኣብ መንጎ መዋስንቲ ዝኾና ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ከምኡ ድማ ሰሜን ሸዋን ከተማ ኣዲስ ኣበባን ምስሕሓብ ኣኸቲሉ ይርከብ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ምስ ኵናትን ደርቂን ተተሓሒዙ፣ ህዝቢ ዝሓሸ ናይ ምንባር ኣማራጺታት ንምንዳይ ብብዝሒ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይውሕዝ ከምዘሎ ክሕበር ጸኒሑ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0