ኩባንያ ዕደና ዳናካሊ፤ ካልኣይ ገጽ ምድላዋቱ ይዛዝም

Radio Erena: 24 May 2020

ኣብ ኤርትራ ዕደናዊ ንጥፈታት ዘካይድ ዘሎ ዳናካሊ፣ ካልኣይ ገጽ ምድላዋቱ ኣብ ምዝዛም ከምዝርከብ ተገሊጹ።

እቲ ኣውስትራልያዊ ትካል ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ እዚ ካልኣይ ገጽ ኣብ ወርሒ ሰነ ድሕሪ ምዝዛሙ፣ ኣብ 2022 ምህርቱ ከፍሪ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ዕደና፣ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብዝፈጠሮ ናይ ስራሕ ዕንቅፋት ከይተሰናኸለ፣ ምምሕዳራዊን ናይ ቤት ጽሕፈታት ስርሑ ደው ከየበለ ይቕጽል ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝመጽእ ዓመት ናይ ፖታሽ ምህርቲ ከካዪድ መዲቡ ዘሎ እቲ ትካል፣ ሓምሳ ሚእታዊት ዋንነቱ ናይ ኤናምኮ እዩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2018 ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ትካል ዕደና ዳናካሊ ስርሑ ኣብ ዝጅምረሉ፣ ካብ ሓፈሻዊ እቶት ኤርትራ 3 ሚእታዊት ክሽፍን ስለዝኾነ፣ ነታ ሃገር ዓቢ ምንጪ ኣታዊ ከምዝኸውን ሓቢሩ’ዩ። ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት፣ ፍርቂ ናይቲ ኤርትራ ንሰደድ ካብ እትልእኮ ዝርከብ ኣታዊ ኣብ ርእሲ ምሽፋኑ፣ ን10 ሽሕ ዜጋታት ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝፈጥር ይግለጽ።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ብሰንኪ ዝኽተሎ ዘሎ ዘይግሉጽን ያታዊ ኣሰራርሓን፣ ህዝቢ ረብሓ የብሉን ጥራይ ዘይኮነ፣ ዕደናዊ ንጥፈታቱ ብግዱድ ዕስክርና የካዪዶ ምህላዉ፣ ኣብ ህዝቢ ተወሳኺ ጸቕጢ ፈጢሩ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0