24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ትኽበር

Radio Erena: 24 May 2020

24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ኣገባባት ትኽበር ኣላ።

ኣብዚ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ደምበታት ተኸፋፊሎምሉ ዘለዉ እዋን እትኽበር ዘላ 24 ግንቦት፣ ዝተፈላለየ ትርጉም ይወሃባ እኳ እንተሎ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብቃልሱ ናጽነቱ ዘረጋገጸላ ዕለት ብምዃና ንኩሉ ትሓቁፍ ዕለት’ያ ክብሉ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ገሊጾም።
እቶም ናብ ሬድዮ ኤረና መልእኽቶም ዘመሓላለፉ ፖለቲከኛታት ኣብ መግለጺኦም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብውሑዳት ተጨውዩ ዝርከብ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ፣ ንምስሊ’ዛ ዕለት ደዊኑዎ እኳ እንተሎ፣ ብመሪር ቃልሲን መስዋእትነትን ህዝቢ ዝተረኽበ ምዃኑ ክዝንጋዕ ከምዘይብሉ ኣዘኻኺሮም።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣብ እዋን መግዛእቲ ንላዕሊ ብስደትን ሕሱም መነባብሮን ይግረፍ ስለዘሎ፣ ናይ ሓቂ ናጽነቱ ረኺቡ ክበሃል ኣይከኣልን ክብሉ’ዮም ገለ ኤርትራውያን ምረቶም ዝገልጹ።

እንተኾነ እዛ ካብ ተኸታታሊ መግዛእታት ስርዓታት ኢትዮጵያ ናጽነት ዝኣወጀት መዓልቲ፣ ብዋጋ መስዋእቲ ብሉጻት ደቂ ህዝቢ ደኣምበር፣ ብውሑዳት ሕድሪ ብጾቶም ዝጠለሙ ክትግለጽ ከምዘይግባእ እዮም እቶም ፖለቲከኛታት ዘዘኻኽሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0