ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣  ብኩባንያታት ኤውሮጳ ንዝቐረበሉ ጠለብ መሸጣ ብርኪ ይነጽግ

ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ብኩባንያታት ኤውሮጳ ንዝቐረበሉ ጠለብ መሸጣ ብርኪ ይነጽግ

Radio Erena: 04 June 2018

Bisha mining

ሉንዲን ከምኡ ድማ ኤውሮ ሳን ዝተባህላ ናይ ኤውሮጳ ኩባንያታት ዕደና፣ ነቲ ኣብ ኤርትራን ካልእ ከባቢታ ዓለምን ኣብ ዕደና ተዋፊሩ ዘሎ ኩባንያ ኔቭሰን ፕሮጀክታቱ ክሸጠለን ዘቅረብኦ ጠለብ ከምዝነጸጎ ተገሊጹ።

ዝተፈላለየ ናይ ንግድን ዕደናን ማዕከናት ዜና ብዘቕርብኦ ዘለዋ ሓበሬታ መሰረት፣ ብሽወደን ዝውነን ሓደ ካብ ዓበይቲ ኩባንያታት ዓለም ዝኾነ ሉንዲን ምስ ኤውሮ ሳን ብምዃን ንፕሮጀክታት ዕደና ኩባንያ ኔቭሰን ንምዕዳግ 1.5 ቢልዮን ዶላር’የን ቀሪበን።

እንተኾነ እቲ ናይ ካናዳ ናይ ዕደና ኩባንያ፣ ነቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ኣትሒዙ ዝቐረበሉ ጠለብ ከምዝነጸጎ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሱዳን ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ዕደና፣ ካብ 1997 ክሳብ 2003 ኣብ ዝነበረ ግዜ ብምግሃስ መሰል ደቂሰብ ዝተኸሰሰ ሉንዲን ምስ ኤውሮጳዉያን መሻርኽቱ ብምዃን፣ ንፕሮጀክታት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ብምግሃስ መሰል ደቂ ሰብ፣ ኣብ ካናዳ ተኸሲሱ ዝርከብ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ንምዕዳግ ዘቕረቦ ጠለብ ዝተነጽገሉ ምኽንያት ብዝርዝር ኣይተሓበረን።

ሉንዲን ኣብ ኮንጎ፣ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን’ውን ብምስጢር ኣብ ዳህሳስን ኩዕታን ነዳዲን ካልእ ማዕድናትን ተዋፊሩ ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

ብመሰረት’ቲ ተነጺጉ ዘሎ ናይ 1.5 ቢልዮን ዶላር ጠለብ፣ ሉንዲን ነቲ ናይ ኤውሮጳን ካልእ ፕሮጀክታቱን ንምግዛእ ክኸውን እንከሎ፣ ኩባንያ ዕደና ኤውሮ ሳን ከኣ ንቢሻን ካልእ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፕሮጀክታትን ንምሓዝ’ዩ ኔሩ።

እዞም ክልተ ናይ ኤውሮጳ ኩባንያታት፣ ድሮ ኣብ ኔቭሰን ብርክታት ከምዘለዎም ዝሓበሩ ካልኦት ምንጭታት ዜና ከኣ፣ ንብርክታት ኔቭሰን ሚእቲ ብሚእቲ ንምውናኑ ኣቕሪቦሞ ንዘለዉ ብዝሒ ገንዘብ ክውስኽሉ ከምዝኽእሉ ይእምቱ።

================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0