ሱዳንን ቱርኪን ዕጹው ዝርርብ ኣካይደን

ሱዳንን ቱርኪን ዕጹው ዝርርብ ኣካይደን

Radio Erena: 04 June 2018

Turket Sudan

ቀዳማይ ሚኒስተር ቱርኪ ቢናሊ ይልድሪምን ሚኒስተር ፋይናንስን ቁጠባን ሱዳን ዑስማን ሱሌማን ኣል ሪካቢ ኣብ ኣንካራ ኣብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ዕጹው ዝርርበ ከምዘካየዱ ዲፕሎማስያውይን ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ብዓርቢ 1 ሰነ ዝተኻየደ ዝርርብ ክልቲኦም ወከልቲ መንግስታት ዘተኮረሉ ኣርእስታት እኳ እንተዘይተነጸረ፣ እቲ ርክብ መቀጸልታ ናይቲ ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው እትርከብ ሱዳን ናይ ቱርኪ ሓገዝ ንምሕታት እትገብሮ ዘላ ንጥፈታት ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶዋን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ካርቱም ፈላሚን ታሪኻውን ዑደት ድሕሪ ምክያዱ፣ ዝምድና ካርቱምን ኣንካራን ናብ ሓድሽ መደርኽ ደይቡ ከምዘሎ ይፍለጥ።

 ቱርኪ፣ ኣብ ሱዳን እተካይዶ ዘላ ወፍሪ ናብ ኣስታት 10 ቢልዮን ዶላር ንምዕባዩ መደብ ከምዘለዋ’ያ ትሕብር።

ብዘይካ’ዚ ምስ ቀጠር ብሓባር ብምዃን ኣብ ወትሃደራውን ምሕዳስ ናይቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ወደብ ስዋኪንን ክትነጥፍ ምዃና ኣብ እዋን ዑደት ፕረዚደንት ቱርኪ ናብ ካርቱም ተገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0