ከባቢታት ጎንደር  ብናይ ብሄር ግጭት ይሕመስ ከምዘሎ ተገሊጹ

ከባቢታት ጎንደር ብናይ ብሄር ግጭት ይሕመስ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 06 December 2018

benshangኣብ ኢትዮጵያ ከባቢታት ጎንደር፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝተጎሃሃረ ናይ ብሄር ግጭታት እናበሰ ይመጽእ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኢትዮጵያ ግጭት ከምዝተጎሃሃረን ኣብ ሰብን ንብረትን ዕንወት ከምዝወረደን እኳ እንተረጋገጻ፣ እቲ ግጭት ናይ ብሄር ምዃኑ ግና ኣይሓበራን።

ይኹን’ምበር ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብቲ ከባቢ ብዝህብዎ ዘለዉ ሓበሬታ፣ እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ተወለድቲ ኣምሓራን ቅማንትን ይካየድ ከምዘሎ ኣረጋጊጾም።

ኣብ ከባቢ ጎንደር ዝርከባ ዓድታት በቲ ግጭት ተጸልየን ከምዘለዋ ዝሓበሩ ምንጭታት፣ ብፍላይ ጭልጋ ዝተባህለት ዓዲ፣ ከቢድ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ይካየደላ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

መብዛሕትኦም ብሕርሻ ከምዝነባሩ ዝተገልጹ ተወላዶ ቅማንት፣ ካብ ዕጡቓት ኣምሓራ ድሕሪ ዝተኸፍተሎም ቶዅሲ’ዩ እቲ ግጭት ተጎሃሂሩ ዘሎ።

ኣቐዲሙ መንግስታውያን ማዕከንት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃብኦ ሓበሬታ፣ ሓደ ሰብ ከምዝተቐትለን ሸሞንተ ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉን እኳ እንተጠቐሳ፣ ቁጽሪ ግዳያት ካብዚ ብዝተዓጻጸፈ ዛይዱ ከምዘሎ ንናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምውካስ እቶም ምንጭታት የተሓሳስቡ።

ብዘይካ’ዚ በቲ ግጭት፣ እንዳጠሓኒት፣ ኣብያተ ሸቐጥን ተራ መንበሪ ኣባይትን ዝርከቦ 10ታታ ገዛውቲ ተቓጺሉ ኣሎ።

ብናይ ብሄርን ቀቢላን ግጭታት እትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ግንቦት 2020 ኣብ እተካይዶ ሓፈሻዊ ምርጫ ናብ ዝበኣሰ ቅልውላ ክትኣቱ ምዃና ተንተንቲ የጠንቕቑ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0