እስራኤል፣ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝፍጸም ዘቤታዊ ጎነጽ ደው ክብል ዝጽውዕ ሰልፊ ተኻይዱ

እስራኤል፣ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝፍጸም ዘቤታዊ ጎነጽ ደው ክብል ዝጽውዕ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 06 December 2018

israel women demoኣብ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝፍጸም ዘሎ ዘቤታዊ ጎነጽ ደው ክብል ዝውጽዕ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

እቲ 10ታት ኣሽሓት ደቂንስትዮ ዝተሳተፍኦ፣ ብደረጃ ሃገር ተወዲቡ፣ ብሰሉስ 04 ታሕሳስ ኣብዝ ተፈላለየ ከተማታት ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ጓል 12 ዓመት ኤርትራዊት ቆልዓ ሶልያና ጸጋይ፣ እትርከበን ክልተ ደቂንስትዮ፣ ዝሓለፈ ቅንያት ብተመሳሳሊ ጎነጽ ድሕሪ ምቕታለን’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ኣብ እስራኤል ኣብዛ ዓመት እዚኣ ጥራይ 24 ደቂንስትዮ ብዘቤታዊ ጎነጽን ዓመጽን ህይወተን ከምዝሓለፈ ጸብጻባት ካብታ ሃገር የመልክቱ።

ጸብጻብ ክነሰት ከምዘመልክቶ ድማ ካብ 2011 ኣትሒዙ፣ ኤርትራውያን ዝርከብአን 127 ደቂንስትዮ ግዳያት ዘቤታዊ ጎነጽ ኮይነን።

ኣብ እስራኤል፣ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝፍጸም ዘሎ ዘቤታዊ ጎነጽ ዓመታዊ እናዛየደ ይኸይድ ከምዘሎ ዘተሓሳስባ ዝተፈላለያ ተጠበቕቲ መሰል ደቂንስትዮ፣ መንግስቲ ንድሕነተን ተሪር ስጉምታት ክወስድ ይጽውዓ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ንሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ካብ ኩሉ መሰላት ገሊልዎም ብምህላዉ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝርከበአን ስደተኛታት ደቂንስትዮ ዝፍጸም ዘቤታዊ ጎነጽ ብዝያዳ ከምዝበኣሰ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ወገናት የረድኡ።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0