ኤርትራ፣ ፈላሚ ናይ ዓንዲ ሕቖ መጥባሕቲ ብቻይናውያን ሓካይም ተኻይዱ

Radio Erena: 15 December 2022

ኣብ ኤርትራ፣ መወከሲ ሆስፒታላት ኦሮታን ሓሊበትን፣ ፈላሚ ናይ ዓንዲ ሕቖ መጥባሕቲ ብቻይናውያን ሓካይም ተኻይዱ።

እቲ ናይ ዓንዲ ሕቖ መጥባሕቲ፣ ኣብ ኤርትራ ክካየድ ንመጀመርያ እዋኑ ምዃኑ፣ መርበብ ዜና ቻይና ደይሊ፣ ንሜዲካል ዳይረክተር ሆስፒታል ሓሊበት፣ ልኡል ባንተይርጋ ብምጥቃስ ኣረጋጊጹ።

ካብ ቻይና፣ ዞባ ሄናን ካብ ዝርከባ ሆስፒታላት ዝመጹ ክኢላታት ምስ ኤርትራውያን ሓካይም ብምትሕብባር ኣብ ዘካየድዎ ፈላሚ መጥባሕቲ፣ ብጥዕና ዓንዲ ሕቖ ክሳቐዩ ዝጸንሑ ሓሙሽተ ሰባት ካብ ቃንዝኦም ከምዝተገላገሉ እቲ መርበብ፣ ብ14 ታሕሳስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና ሓቢሩ።

ንሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ብምውካስ ኣብ ዘቕረቦ ተወሳኺ ሓበሬታ ድማ፣ ካልኦት ተመሳሳሊ ጸገም ዘለዎም ኣብ ቀጻሊ መጥባሕቲ ክካየደሎም ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ክኢላታት መጥባሕቲ ዓንዲ ሕቖን ነርሳትን ዘጠቓለለ፣ 18 ሓካይም ዝሓቖፈ ጉጅለ ቻይና፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝህቦ ዘሎ ኣገልግሎታት፣ ንኤርትራውያን ሓካይም ተሞክሮ ኣብ ምቕሳምን ምስግጋር ናይ ቴክኖሎጂን ልዑል ግደ ኣብ ምብርካት ‘ዩ ዝርከብ።

ኣብ ቻይና፣ መጥባሕቲ ዓንዲ ሕቖ ብስሩዕ ከምዝካየድ ዝሓበረ ኮሚሽን ጥዕና ዞባ ሄናን፣ ኣብ ኤርትራ ግና መሳርሒታት መጥባሕቲን ካልእን ብዘይምህላዉ ተኻይዱ ከምዘይፈልጥ ኣገንዚቡ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0