ኤርትራ፣ ንቅድድም ብሽክለታ ላ ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ ዓብሊላቶ

Radio Erena: 22 January 2020

ኣብ ጋቦን፣ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 15 ቅድድም ብሽክለታ ላ ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ፣ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ነቲ ውድድር ዓብሊላ ከምዘላ ማዕከናት ዜና ስፖርት ካብ ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ብፍላይ 107 ኪሎሜተር ኣብ ዝሸፈነ ካልኣይ መድረኽ፣ ናይቲ ቅድድም፣ ኤርትራውያን ኣብ ኩሉ ዝተዳለወ ውድድራት ንዝቐረባ ኣርባዕተ ማልያታት ክውንንወን ምኽኣሎም ኣተኩሮ ስሒቡ።

ኣብቲ ብ21 ጥሪ ዝተኻየደ ውድድር፣ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፣- ናትናኤል ተስፋጽዮን -ብጫ ማያልያ፣ ሄኖክ ምሉብርሃን-ቀጠልያ ማልያ፣ ናትናኤል ተስፋጽዮን -ጻዕዳ ማልያ፣ ዳዊት የማነ ድማ ነጠብጣብ ማልያ ዓቀብ ወኒኖም።

ኣብዚ ካብ 20 ክሳብ 26 ጥሪ ዝካየድ ዘሎ መበል 15 ቅድድም ብሽክለታ ዙር ላ ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ፣ ኤርትራ እትርከበን 8 ሃገራውያን ጋንታታት ክሳተፋ እንከለዋ፣ 7 ድማ ናይ ውልቂ ክለባት’የን።

ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ላ ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ፣ ተቐዳደምቲ ሸውዓተ መድረኻት ዘጠቓለለ 1035 ኪሎሜተር ርሕቀት ክሽፍኑ’ዮም።

ዙር ላ ትሮፒቫል ኣሚሶ ቦንጎ ናይ 2.1 መዐቐኒ ዘለዎ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ’ዩ።

ቅድድም ኣሚሳ ቦንጎ፣ ብስም ጓሉ ነቲ ንጋቦን ን42 ዓመታት ዝመርሐ ሓደ ካብ ዕሉላት ውልቀ መለኽቲ ኣፍሪቃ፣ ዑመር ቦንጎ ንመዘከርትኣ ዝተዋህበ’ዩ።

ዑመር ቦንጎ ኣብ 2009 ብሞት ድሕሪ ምእላዩ፣ ወዱ ዓሊ ቦንጎ ስልጣን ተረኪቡ ክሳብ እዚ ዕለት እዚ ይመርሕ ኣሎ።

ነዛ ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረትን ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነትን ጋቦን፣ ካብ ዕለት ናጽነታ ኣትሒዛ፣ ኣቦን ወዲን ጥራይ ን52 ዓመታት መሪሖማ ኣለው።

ካብ 2006 ኣትሒዙ ዓመታዊ ዝካየድ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ላ ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ፣ ነታ ሃገር ምስሊ ምልኪ ሓንቲ ስድራን ሕማቕ ምሕደራን ጥራይ ንኸይትሕዝ ሓጊዙዋ ይርከብ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0