ዶብ ሱዳንን ሊብያን፣ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 107 ስደተኛታት ተታሒዞም

Radio Erena: 23 January 2020

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳንን ሊብያን ዚጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያ ምዃኖም ዝጠቕስዎም 107 ስደተኛታት ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ከምዝሓዙ ገሊጾም።

ኣዛዚ ናይቲ ብልፍንቲ ዝቖመ ሓለዋ ዶባት ሱዳንን ሊብያን፣ ኣንዋር ነጉዲ፣ እቶም ስደተኛታት ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ሱዳን፣ ደንግላ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ድሕሪ ምትሓዞም፣ ዘድሊ ቀዳማይ ረድኤት ተጌርሎም ናብ ክፍሊ ኢምግሬሽን ሱዳን ክርከቡ ምዃኖም ሓቢሩ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ነዞም ናብ ሊብያ ክሰግሩ ዝተታሕዙ ስደተኛታት ነናብ ዓዶም ከይሰጎም ስግኣት ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ናብ ግብጺ ክሰግሩ ዝተታሕዙ 7 ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 10 ኤርትራውያን፣ ናብ ኤርትራ ክስጎጉ ቤት ፍርዲ ሱዳን እኳ እንተወሰነ፣ ብተጣበቕቲ መሰላትን ትካላት ስደተኛታትን ድሕሪ ዝተገብረ ጻዕርታት ግና ዑቕባ ክሓቱ ናብ መዓስከር ሸገራብ ክሰጋገሩ ምዃኖም’ዩ ተገሊጹ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0